ሃገራዊ ማሕበር መማህራን ኤርትራ፡ ብ7ን 8ን ነሓሰ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ንጥፈታቱ ገምጊሙ።

ኣብ’ቲ ገምጋም፡ ትግባረ ዝተወጠኑ መደባት – ብመንጽር ኣብ መስርሕ ዘጋጠሙ ብድሆታትን ዝተራእዩ ብልጫታትን ድኽመታትን፡ በብዞባኡ ብጸብጻብ ቀሪቡ።

ዓቕሚ መማህራን ንምዕባይ ዝተወደቡ ስልጠናታት፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝተራእዩ ጸገማትን ንምእላዮም ዝተኻየደ ጻዕሪን፡ ቁጽጽራዊ ስርሓት፡ ከምኡ’ውን ቤት-ወግዒ መማህራን ንምሕያል ዝተሰላሰለ ስራሓት – ካብቶም ዝተዘርበሎም ነይሮም።

ኣኼበኛታት፡ ኣብ ዕላማታት ማሕበርን መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዘገልግል፡ ሃናጺ ሓሳባትን ርእይቶታትን ኣቕሪቦም።

ሞያዊ ሓላፍነትን ስነ-ምግባርን ዝወነነ መምህር፡ ናይ ኩሉ ዓይነት ዕብየት ቀላሲ ብምዃኑ፡ ኣብኡ ዝግበር ወፍሪ ክዓዝዝ እውን ኣዘኻኺሮም።

ኣቦ-መንበር ማሕበር መማህራን ኤርትራ፡ መምህር ስምኦን መሓሪ፡ መማህራን ፍቕሪ ሞያኦም ሓዲሩዎም ኣብ ምህናጽ መጻኢ ወለዶን ህንጸት ሃገርን ዝዓዘዘ ኣበርክቶ ንኽህልዎም፡ ማሕበር ደራኺ ተራ ይጻወት ከምዘሎ ገሊጹ።

Categories