ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ካብ ዝተወጠኑ መደባት ልምዓት፡ እቶም ዝበዝሑ ከም እተተግበሩ፡ ኣብ ገምጋማዊ ኣኼባ ተሓቢሩ።

ኣብ’ቲ፡ ብኹለን ኣሃዱታት ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባን ካልኦት ኣካላት መንግስትን ዝተተግበረ መደባት ብዝርዝር ዝቐረበሉ ኣኼባ፡ ዝተረፉ መደባት እውን ንምትግባሮም ብዕቱብ ተታሒዙ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣቡበከር ማሕሙድ፡ ኣብ ምእካብ ግብሪን ምዕባይ ኣታዊታትን ዝተራእየ ድኻማት ንምውጋድ እውን ክስራሓሉ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣቶ ኣቡበከር፡ ዝትለሙ መደባት – ብዘይ ንቑሕ ተሳትፎ ሕብረተ-ሰብን ንጡፍ ኣተኣላልያ ኣመሓደርትን ክዕወቱ ስለዘይክእሉ፡ ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ኣመሓደርቲ ከባቢታትን ኣካላት መንግስትን ብዝለዓለ ክሰርሑ ኣተሓሳሲቡ።

Categories