ኣብ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት – ምምሕዳራት ከባቢ ካርሻምላ፡ ጉስጢ፡ ኢንገርነ፡ ወለት-ኣባርቅ፡ እንደራዬብን 3 ምምሕዳራት ከባቢ ከተማ ኣቑርደትን፡ ኣብ ክራማት ዝረኣዩ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምቁጽጻር ወፈራታት ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ጥዕና’ቲ ንኡስ ዞባ ሓላፊ ከባቢያዊ ጽሬት መንእሰይ ዳንኤል ኪዳነ፡ እቲ ዕላማ፡ ብሰንኪ መንከስቲ ጣንጡ ዝመጽእ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምቊጽጻር ምዃኑ ብምሕባር፡ እቲ መደብ – ምርግጋጽ ጽሬት ከባቢን ምንጻግ ጸረጣንጡ መድሃኒት ኣብ ኣስታት 20 ሽሕ መንበሪ ኣባይቲን ከምዘጠቓልል ገሊጹ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣቑርደት መድሃኒት ጸረ-ጣንጡ ይንጸግ ከምዘይነበረ ዝጠቐሰ መንእሰይ ዳንኤል፡ ሎሚ ዓመት ግን ኣብ’ታ ከተማ እውን ብዕቱብ ተታሒዙ ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ጸረ-ጣንጡ መድሃኒት በቲ ግቡእ መምርሒ ምስ ዝንጸግ ንኣስታት ሰለስተ ወርሒ ከገልግል ከምዝኽእል ብምሕባር ከኣ፡ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ መራብሒ ጣንጡ ጐዳጉዲ ክደፍንን ከባቢኡ ብጽሬት ክሕዝን ኣዘኻኺሩ።

Categories