ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ 6 ነሓሰ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ፡ ብኣዛዚ ናይ’ቲ ኣንጻር ሽበራ ዝቘመ ልፍንቲ ሓይልታት ሌተና ጀነራል – ልኡል ፋሃድ ቢን ቱርኪ ቢን ዓብዱልዓዚዝ ንዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ስዑዲ-ዓረብ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ኣብ ኣዳራሽ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን እቲ ስዑድያዊ ልኡኽን፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድና ኤርትራን ስዑድያን፡ ጸጥታ ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዶም።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ብወገን ኤርትራ ኣዛዚሓይሊ ባሕሪ ሜጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካረን ሓለቓ ስታፍ ሓይሊ ባሕሪ ኮሎኔል መልኣከ ተኽለማርያምን ተሳቲፎም።

ብወገን ስዑድያ ድማ፡ በዓል ስልጣን ስሪሒታት ሓይሊ ባሕሪ ሜጀር ጀነራል ያሕያ መሓመድ ዓሲሪ፡ ካብ እዚ ልፍንቲ ሓይልታት ብርጋደር ጀነራል ኻሊድ ቢን መሓመድ ኣልራማሊ፡ ከምኡ’ውን ካብ እዚ ስርሒታት ሓይሊ ባሕሪ ብርጋደር ጀነራል ሓሰን ቢን ስዒድ ኣልሻህራኒ ዝርከቡዎም ሰበ-ስልጣን ተረኺቦም ነይሮም።

Categories