ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ 3 ነሓሰ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ፡ ኣብ ኣብያተዕዮ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት-ማሞስ፡ ዑደት ኣካዪዱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዝተፈላለዩ ሰብ-መዚ ተሰንዩ ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ተመሃሮ ግብሪ ሓዊሶም ዝስልጥኑሉ ክፍሊታትን ትሕዝቶኡን፡ ከምኡ’ውን ተተኺሉ ዘሎ ዘመናዊ ማሽነሪታት ተዓዚቡን ብተመሃሮ መግለጺ ተዋሂብዎን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብተመሃሮ ዝፈረየ ዝተፈላለየ ናውቲ እውን ተዓዚቡ።

እቶም ትማሊ ዝተመረቑ ተሳተፍቲ 10ይ ኮርስ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት፡ ብዓውድታት ንድፊ፡ ቅየሳ፡ ኤለክትሪሲቲ፡ ኤለክትሮኒክስ፡ ምዝርጋሕ መስመራት ማይ፡ ጽገና ኮምፕዩተር፡ ስርዓተ-መዝሓሊታት፡ ምምራሕን ምጽጋንን ማሽነሪታት፡ ከምኡ’ውን ብጽርበት ዕንጸይትን ሓጺንን ዝሰልጠኑ እዮም።

Categories