ብኤምባሲ ቻይና ኣብ ኤርትራ ዝተወደበ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ብዛዕባ ዘሎ ሓድሽ መዋእል ሰላምን ምትሕግጋዝን – ጽልዋኡ ኣብ ዝምድና ቻይናን ኣፍሪቃን፡ ዝዘተየ ዓውደ-ዘተ፡ ብ30 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ተኻዪዱ።
ኣምባሳደር ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራ ሚስተር ያንግ ዚጋንግ ኣብ ዘስመዖ መኽፈቲ ቃል፡ ቻይና ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ እተካይዶ ወፍሪ፡ ኣብ ሽርክነት፡ ቅኑዕነት፡ ምሕዝነትን ምዕሩይነትን ዝብሉ ኣርባዕተ ቀንዲ ዓንድታት ዝተሰረተ ምዃኑ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋህው ድማ፡ ነዚ ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥር ከምዝኾነ ኣረዲኡ።
ኣብ’ቲ ዓውደ-ዘተ፡ ብኣምባሳደር ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራነበር፡ ሚስተር ሹ ዝሃን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ፡ ኣብ ተመኵሮ ቻይና ኣብ ጽላት ኢንዱስትሪ፡ ኣበጋግሳ ዝምድና ቻይናን ኣፍሪቃን፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ተመኵሮ ቻይና ክቐስማኦ ዝግባእ ተመኵሮ፡ ኣብ ትምህርቲ ዝግበር ወፍርታትን ባህሪያቱን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ ዛዕባታት መብርሂ ሂቡ።
ኣብ’ቲ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ዓውደዘተ፡ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ሚኒስትሪ ዜና፡ ሚኒስትሪ ሃገራዊ ልምዓት፡ ህግደፍን ካልኦት ኣካላትን ተሳቲፎም ነይሮም።
ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ እትገብሮ ወፍሪ ብመንጽር ዝፈጥሮ ዕድላት ሽቕለት ከመይ ይግምገም? ሃገራት ካብ ቻይና ልቓሕ ክረኽባ እንተኾይነን ዝሕተታኦ ረቛሒታት እንታይ’ዩ? ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ እተካይዶ ወፍሪ ብመንጽር ተቐባልነት እተን ሃገራት ከመይ ይግምገም? ዕዳጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ብሒቱ ዘሎ ፍርያት ቻይና፡ ብመንጽር ብቕዓቱ ከመይ ይርአ? ጽልዋኡ ኣብ ናይ መጻኢ ወፍሪኸ እንታይ ይመስል? ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ኣቕሪቦም።