ኮም ዘማእከሉ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ብዝለዓለ ክድፋኣሉ፡ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ፡ ብ24 ሓምለ ኣብ ባረንቱ ኣብ ዝተቓንዐ ገምጋም ጨንፈር ሕርሻ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣተሓሳሲቡ።

ሚኒስተር ኣረፋይነ፡ ኣከባቢ ንምርጋእን እቶታውነት ንምኽዕባትን፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን እቲ ዝበለጸ ሜላ ምዃኑ ብምሕባር፡ ሰብ ሞያ ሕርሻን ኣካላት ምምሕዳርን ቀላሲ ተራ ክጻወቱ ኣዘኻኺሩ። ጥዕና ጥሪትን እቶታውነተንን ዘዕብዩ ኣማራጺታት ብግቡእ ክዝውተሩ፡ ተጠቃምነት ኮምፖስት ንምስራጽ ክስራሓሉ፡ ከዘንቲ ማይን መስኖኣዊ ሕርሻን ክድፋኣሉ እውን ተላብዩ።

ኣብ’ቲ ገምጋማዊ ኣኼባ፡ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ብሓፈሻ፡ ኣብ ምድልዳል ናይ ሕርሻ መሬት ድማ ብፍላይ – ኣድማዒ ስራሓት ከምእተሰላሰለ፡ እንተኾነ ግን፡ መጠኑን ዝርጋሐኡን ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ምዕሩይ ስለዘይኮነ፡ ብዝሓየለ ኣወዳድባ ክስራሓሉ ከምዝግባእ ተዘሪቡሉ።

ጥዕና ጥሪት ብዝምልከት፡ ልዕሊ 913 ሽሕ ጥሪት ከምእተኸትባን ልዕሊ 36 ሽሕ ካልኦት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከምዝረኸባን ክጥቀስ እንከሎ፡ ናይ መንግስቲ ትራክተራት ብርትዓዊ ዋጋ ድሓን ዕማም ከምዘሰላሰላ፡ መስኖኣዊ ሕርሻ ንምድንፋዕ ሞያውን ንዋታውን ደገፍ ከምእተገብረ፡ ግጉይ ኣጠቓቕማ ጸረ-ባልዕ መድሃኒታት ንምውጋድ ቁጽጽራዊ ስራሕ ከምእተኻየደ፡ መስርሕ ህንጸት ዲጋታት ጉላ፡ ትንሻኣይ፡ ደቂሽሓይ፡ ከርካሻን መንጉላን ጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ በሪሁ።

ኣብ መወዳእታ፡ ምድልዳል ናይ ሕርሻ መሬት ዕቱብ ኣድህቦ ክወሃቦ፡ ኩነታት መእለዪ ወሓይዝ ክግምገም፡ መደብ ዕብየት ናብራ ንምሕያል ዝወጹ መደባት ብዕቱብ ክተሓዙ፡ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ኣማራጺታት መስኖኣዊ ሕርሻ ብግቡእ ክስራሓሉ፡ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ቀሪቦም።

Categories