‘ኤሪ ቻይልድ ሁድ’ ኣብ ዝብል ማሕበር ዝተጠርነፉ ኤርትራውያን ነበርቲ ስቶክሆልም – ሽወደን፡ ብወለንታኦም ንስንኩላን ቈልዑ ዝገብሩዎ ሓገዝ ክቕጽሉዎ ምዃኖም፡ ብ23 ሓምለ ምስ ወለዲ’ቶም ኣቐዲሞም ናይ ዓረብያ ሓገዝ ዝገበሩሎም ቈልዑ ኣብ ዝተራኸቡሉ ኣጋጣሚ ገሊጾም።
ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ኣብ ዝተገብረ፡ ሰብ-መዚ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝተረኽቡሉ ርክብ፡ ሚኒስተር ኣሚና ኑርሑሴን፡ ‘ኤሪ ቻይልድ ሁድ’ ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ፡ መርኣያ ጭዋ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ጠቒሳ፡ ካልኦት እውን ኣሰሩ ክስዕቡ ጸዊዓ።
ኣባላት’ቲ ማሕበር፡ ኣቐዲሙ ዝተላእከ ንብረት ኣብ መዓላኡ ብምውዓሉ ሓጐሶም ድሕሪ ምግላጽ፡ ተወሳኺ 100 ዓረብያታት ስንኩላን ንምሕጋዝ መደብ ከምዘለዎም ሓቢሮም።
ኣብ 2006 ብኤርትራውያን ዝተመስረተ ማሕበር ‘ኤሪ ቻይል ሁድ’፡ ትሕቲ 18 ዓመት ንዝዕድሚኦም ናይ ምንቅስቓስ ስንክልና ዘለዎም ህጻናት ንምሕጋዝ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ክልተ እብረ 150 ዓረብያታት ብሓገዝ ኣበርኪቱ እዩ።
እዚ ብ16 ኣባላት ዝጀመረ ማሕበር፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣስታት 100 ኣባላት ኣለውዎ።