ሓረስቶት ዞባ ዓንሰባ፡ ስነ-ፍልጠታዊ ኣገባባትን ሜላታትን ተጠቒሞም እቶታውነቶም ከኻዕብቱን ኣብ ዕቃበ ከባቢኦም ኣሐዪሎም ክሰርሑን፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ’ቲ ዞባ ኣዘኻኺሩ።
ብ23 ሓምለ ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም፡ ወኪል’ቲ ጨንፈር ኣቶ ዘርኣይ ኖር፡ ንሰናይ ክራማት ሎም-ዘበን ከም መንጠሪ ባይታ ብምጥቃም፡ ንዝበረኸ ዕብየትን እቶታውነትን ምስራሕ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ኣብ መደባት ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ልምዓት መስኖን ብቚሊን፡ ሃብቲ እንስሳ፡ ከምኡ’ውን ሕጋጋትን ቁጽጽርን ዝተሰላሰለ መደባት ብመንጽር ዝነበረ ብልጫታትን ብድሆታትን ዘብርህ ጸብጻባት ቀሪቡን ዘተ ተኻዪዱሉን።
ብመሰረት’ቲ ጸብጻባት፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ብውሑድ መጠን ዝጀመረ ዝናብ ኣዝመራ፡ ኣብ ወርሓት መጋቢትን ሚያዝያን ኣቋሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ግንቦትን ሰነን ብዝወቕዐ ዝናብ 7167 ሄክታር ተነቒሉ 6934 ሄክታር ካብኡ ከምእተዘርአ፡ እዚ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ድማ፡ ስፍሓት ዝተነቕለ መሬት ብ28 ሚእታዊት ክንኪ እንከሎ፡ ስፍሓት ዝተዘርአ ብኣንጻሩ ብ62 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘመዝገበ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ማይን ሓመድን ዓቂብካ ልምዓት መስኖ ንምምዕባል ብዝተሰላሰለ ንጥፈታት፡ ኣብ ደቂ ዘርኡ፡ ሃብረንጋቓ፡ ኣቢጣቕ፡ ሕብላቕ፡ ሓሊብ-መንተል፡ ዋሊኩ፡ ዓድሕዝባይ፡ ማይኣዋልድ፡ ኣጀርበብን ሃበሮ ጻዕዳን ኣብ መስርሕ ህንጸት ዝርከባ 122 ሄክታር ከልምዓ ዝኽእላ ንኣሽቱ ዲጋታት፡ 62 ሚእታዊት ካብ ህንጻዊ ስራሓተን ከምእተዛዘመ፡ ልዕሊ 182 ሽሕ ሜተር ኪዩብ ከትርታት ብህዝባዊ ወፈራታት ከምእተሰርሐን 795 ኪሎ ሜትር ቅናትዊ ዛላታት ከምእተጸገነን ብሰፊሑ በሪሁ።
ተሳተፍቲ፡ ጂኦግራፊያዊ ቅርጺ መሬት ዞባ ዓንሰባ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስራሕ ከዘንቲ ማይት ኣተኵሮ ተዋሂቡ ክድፍኣሉ፡ ኣብ ዘራእቲ ዝንጸጉ ጸረ-ባልዕ መድሃኒታት ብቕዓቶም ምቁጽጻር ክግበረሉ፡ ዝተኸዘነ ማይ ኣብ ልምዓት መስኖ ንምውዓሉ ክስራሕ፡ ፍግረ-መሬት ንምክልኻል ቀረብ ጋቢዮናት ክረጋገጽ ዝብሉን ካልኦትን ለበዋታትን ርእይቶታትን ተመሓላሊፎም።
ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ፡ ሓምላይ መግቢ እንስሳ ብምልማዕ ፍርያት ጸባ ንምዕባይ ክስራሕ ብምዝኽኻር፡ ንውሕስነት ሃብቲ ገረብን ዕቃበ ኣከባብን ዝሕግዝ ዕብየት ሞጎጎ ኣድሓነት ብሰፊሑ ንምትእትታው ክስራሓሉ ኣዘኻኺሩ።
ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ፡ ሓምላይ መግቢ እንስሳ ብምልማዕ ፍርያት ጸባ ንምዕባይ ክስራሕ ብምዝኽኻር፡ ንውሕስነት ሃብቲ ገረብን ዕቃበ ኣከባብን ዝሕግዝ ዕብየት ሞጎጎ ኣድሓነት ብሰፊሑ ንምትእትታው ክስራሓሉ ኣዘኻኺሩ።