ነበርቲ ንኡስ ዞባ ባጽዕ፡ ማሕበር ወነንቲ ታክሲን ትራንዚተራትን፡ ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ 34 ስድራ-ስዉኣት ናይ ምእላይን ምሕብሓብን ሓላፍነት ከምዝወሰዱ፡ ብ23 ሓምለ ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ ሓቢሮም።
ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ እተን 27 ስድራ ስዉኣት – ብነበርቲ ንኡስ ዞባ ባጽዕ፣ እተን 7 ስድራቤታት ከኣ ብማሕበር ወነንቲ ታክሲን ትራንዚተራትን ክእለያ ምዃነን ተገሊጹ።
ጸሓፊ ህግደፍ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃን፡ ንስድራ-ቤታት ስዉኣት ኪኖ’ቲ ኣብ ኣጋጣሚታት ዝግበር ሓገዝ፡ ብሓላፍነታዊ ኣገባብ ብንዋትን ሞራልን ምድግጋፍ፡ ሕልና ዘቕስን ስራሕ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።
ኣቐዲሞም፡ ሰራሕተኛታት ሓይሊ ኤለክትሪክ ሕርጊጎ፡ በዓል-መዚ ወደብ፡ ማሪታይም፡ ፋብሪካ መፍረ ውጽኢት ፕላስቲክን ፋብሪካ ታኒካን ፖሊ-ፕላስቲክን፡ ከምኡ’ውን ኣባላት ህግደፍን ሃገራውያን ማሕበራትን ተመሳሳሊ ተበግሶታት ከምዝወሰዱ ይፍለጥ።