ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ኣብ ዘጋጥሙ ጸገማት ንምዝታይ ብ11ን 12ን ሓምለ ርክብ ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ርእሳነ-መማህራንን ሱፐርቫይዘራትን ዝተሳተፉዎ ርክብ፡ ሓላፊ ትምህርቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ መምህር ተስፋይ ስብሃቱ፡ ኣብ ዓመተትምህርቲ 2018/2019፡ መጠን ምሕላፍ ተመሃሮ ኣብ መባእታ – 81.3 ሚእታዊት፡ ኣብ ማእከላይ ደረጃ – 65.8 ሚእታዊት፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ድማ – 72.3 ሚእታዊት ምንባሩ ጠቒሱ፡ ንዝሓሸ ውጽኢት – ወለድን መማህራንን ውሁድ ጻዕርታቶም ከሐይሉ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ’ቲ መስርሕ ኣብ ዘጋጥሙ ብድሆታትን ዝነበሮም ብልጫታትን ብሰፊሑ ድሕሪ ምምይያጥ፡ ቀንዲ ጠንቂ ምትራፍ ተመሃሮ፡ ትሑት ተገዳስነት ተመሃሮን ዘይምክትታል ወለድን ምዃኑ ገምጊሞም። ነቲ ተለልዩ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ኣብ ህዝብን ተመሃሮን ሓያል ጐስጓሳት ክካየድ ድማ ሓሳብ ኣቕሪቦም።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ ሓላፊ መሰረታዊ ትምህርቲ፡ መምህር ተወልደ ኣብርሃ፡ ኣገዳስነት ናይ’ቲ ዘተ ድሕሪ ምጥቃስ፡ እቲ ተለልዩ ዘሎ ድኽመት ብኣጋ ክፍወስ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ፡ ካብ መዋእለህጻናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዝዝርጋሓ 36 ኣብያተ-ትምህርቲ ኣለዋ።

Categories