ፈጻሚ ቦርድ ሃማደኤ፡ ብ6ን 7ን ሓምለ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየዶ፡ ወከልቲ ሽዱሽቲአን ዞባታት ዝተሳተፋኦ ኣኼባ፡ ትግባረ ናይ ዝሓለፈ ሽድሽተ ኣዋርሕ መደባት ስራሕ ገምጊሙ።

ፈጻሚት ቦርድ – በብዞባኡ ንዝቐረበ ጸብጻባት ድሕሪ ምስማዕ፡ ኣብ ምድንፋዕ ወዳበታት ንዝነበረ ብልጫታትን ብድሆታትን፡ ኣብ ምምዕባል ሞያዊ ዓቕሚን ፖለቲካዊ ንቕሓትን፡ ኣበርክቶ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መዳይ ቁጠባ፡ ምውሓስ ጥዕናዊ ኣገልግሎትን ካልእን ተመልኪቱ። ዝተቐመጠ ሸቶታት ንምስማር ብዝሓየለ ክስራሕ ድማ ተሰማሚዑ።

ፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ንኹለንትናዊ ምዕባለ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣባላት ማሕበር ብሓፈሻ ኣካየድቲ ድማ ብቐንዱ ዓጸፋ ክሰርሓ ተላብያ።

ተልእኾ ሃማደኤ፡ ናይ ግቡእን መሰልን ማዕርነት ምርግጋጽ ምዃኑ ዝጠቐሰት ወይዘሮ ተኽኣ፡ እዚ መስርሕ ስለዝኾነ ድማ፡ ንቑሕ ተሳትፎን ውፉይ ተራን ከምዝሓትት ኣዘኻኺራ።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ፡ ዘይተተግበረ መደባት ኣብ መፈጸምታኡ ንምብጻሕ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን መዳያት ምዕባለ ደቂ-ኣንስትዮ ንምርግጋጽ ምዕሩይ ዕድላት ንምስፋሕ፡ ከምኡ’ውን ተሳታፍነት ደቂኣንስትዮ ንምሕያል ምስ መሻርኽቲ ተወሃሂድካ ክስራሕ ኣብ ምርድዳእ በጺሐን።

Categories