ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ሆላንድ፡ ካብ 5 ክሳብ 7 ሓምለ ኣብ ከተማ ራይስቫይክ – ሆላንድ ብልዑል መዓርግ ተኻዪዱ።

እቲ ብኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣቶ ነጋሲ ካሳ ዝተኸፍተን፡ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሆላንድን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ዝተሳተፉዎን ፈስቲቫል፡ ንቘልዑ፡ መንእሰያትን ዓበይትን ብዘሳትፍ መሃርን ኣዘናጋዕን መሰናድኦታት ደሚቑ ቀንዩ።

ኣቦ-መንበር ሽማግለ በዓላት ሆላንድ ኣቶ ሚኪኤል ተስፋማርያም፡ ንኣገዳስነት ፈስቲቫል ከም መኣዲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ምትእኽኻብን ምውርራስ ባህልን ክብሪታትን ብምጥቃስ፡ ዝያዳ ንምምዕራጉ ኣበርክቶ ክኢላታት ክዓዝዝ ተላብዩ።

ቈንስል ኤርትራ ኣብ ሆላንድ፡ ኣቶ ሰሎሞን መሓሪ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ሆላንድ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ንዘርኣዩዎ ጽኑዕ ናይ መኸተ መንፈስ ብምምጓስ፡ ኣብዚ ተኣትዩ ዘሎ ትስፉው ናይ ሰላም መድረኽ፡ ጥርናፈኦምን ውዳበታቶምን ብምሕያል ኣብ መደባት ልምዓት ተሳትፎኦም ከዕዝዙ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ኣምባሳደር ነጋሲ ካሳ ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር ድማ፡ ኣብ ከባቢና ምስ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባር ዝተሰረተ ሰናይ ጒርብትና ንምምዕባል፡ ዕቱብ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪታት ይካየድ ከምዘሎ፡ ዞባዊ ሽርክነት ንምፍጣር እውን ዘተባብዕ ገስጋስ ይምዝገብ ምህላዉ ኣብሪሁ።

እቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ሃገራዊ ምትእኽኻብ፡ ኣብ ሆላንድ ዝነጥፉን ካብ ኤርትራ ዝኸዱን ድምጻውያንን ሙዚቀኛታትን ብዘቕረቡዎ መሰናድኦታት ማዕሪጉ ቀንዩ።

Categories