ብቤት-ጽሕፈት ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ዞባ ደቡብ ዝተወደበ፡ ኣብ ምሕያል ባህላዊ መጽናዕትን ስነዳን ዘተኰረ ናይ 4 መዓልታት ስልጠና – ካብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ንዝተዋጽኡ 41 ሞያውያን ኣብ ከተማ መንደፈራ ተዋሂቡ።

እቲ ትምህርቲ፡ ትርጉም ባህሊ፡ ያታዊ ትልሂትን መጽናዕትን፡ ኣፋዊ ያታን ኣገባብ ኣጸናንዓኡን፡ ከምኡ’ውን መጽናዕቲ ኣመጻጽኣ ኣስማት ዓድታት ዞባ ደቡብ ዝብሉ ዛዕባታት ዝሓዘ እዩ።

ብ4 ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምዝዛም፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ኣቶ ኣብርሃም ዮውሃንስ፡ ብመጽናዕቲ ምስራሕ፡ ዓመት ምሉእ ዝኸዱ ሓሳባት ምስልሳል፡ ምስግጋር ባህሊ ኣብ ሞንጎ መንእሰያትን ናይ ዓወት ወኒ ከምዝህልዎም ምግባርን፡ ሰልጠንቲ ክሰርሑሎም ካብ ዘለዎም ሓገዝቲ ረቛሒታት ምዃኖም ኣረዲኡ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍሬም ገብረክርስቶስ ድማ፡ ሰልጠንቲ ቀሲሞምዎ ንዘለዉ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ክሰርሑሉ እንተኾይኖም፡ ሞያዊ ክትትልን ግምገማን ክግበረሎምን ተወሳኺ ስልጠናታት ክውደበሎምን ከምዘድሊ ኣዘኻኺሩ።

Categories