ካብ ነበርቲ ዞባ ዓንሰባ እቶም 68 ሚእታዊት፡ ኮም ዝሰረቱ መደባት ከባብያዊ ጽሬት ብምትእትታው፡ ጽሬት ከባቢኦምን ጥዕናኦምን ኣብ ምውሓስ ልዑል ሱታፌ ይገብሩ ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊ ከባብያዊ ጥዕና ኣቶ ብርሃነ ገብረኪዳን፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣብ’ተን መደባት ከባብያዊ ጽሬት ዘተኣታተዋ ዓድታት፡ ብሰንኪ ጉድለት ጽሬት ዘጓንፍ ሕማማት ከም እተወገደ ሓቢሩ።

ነበርቲ ናይ’ተን ዝተዓወታ ዓድታት እውን፡ ኣብ ከባቢኦም ተርእዮ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣዝዩ ከምዘንቈልቈለ ብምሕባር፡ ዝተረፋ ዓድታት ነቲ ስጉምቲ ክስዕባኦ ኣዘኻኺሮም።

Categories