ኣፍረይትን ኣህለኽትን ብቐጥታ ብምርኻብ ዋጋታት ፍርያት ሕርሻ ንምርግጋእ ዝወጸ መደብ ንምሕያል፡ ካብ ዓዲ ዝጅምር ምምሕዳራዊ ንጥፈታት ይሰላሰል ከምዘሎ፡ ኮርፖረሽን ዘራእትን ጥሪትን ኣፍሊጡ።

ዕላማ ናይ’ዚ ኣገባብ’ዚ፡ ብቐንዱ ኣብ ዋጋታት ኣስፋሕፊሑ ንዘሎ ምውቕቓዕ ብምውጋድ፡ ኣፍረይቲ ጻማኦም ክረኽቡ፡ ተጠቀምቲ ድማ ብርትዓዊ ዋጋ ክግልገሉ ከምዝኾነ፡ እቲ ኮርፖረሽን ብተወሳኺ ገሊጹ።

ብዛዕባ’ዚ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ኮርፖረሽን ሜጀር ክብረኣብ ኣብርሃም፡ ምድግጋፍ ኣፍረይቲ ኣካላት ብሓፈሻ ሓረስቶትን ኣርባሕቲ ጥሪትን ድማ ብፍላይ መሰረታዊ ስለዝኾነ፡ መንግስቲ ንምትብባዖም፡ ዘድሊ ቀረብ ኣዝርእቲ፡ ድዅዒ፡ መድሃኒት ጸረ-ባልዕ፡ ምክትታል ጥዕና ጥሪት፡ ምህርቶም ናብ ዕዳጋ ዘቕርቡሉ ኣገልግሎት መጐዓዝያን ካልእን ብናጻ፡ ከምኡ’ውን ደገፍ ንማሕረስን ምሕፋስ ምህርትን ዘገልግላ ማሽነሪታት ብርትዓዊ ዋጋ ክገብረሎም ጀሚሩ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ጥሪት ብርትዓዊ ዋጋ ናብ ተጠቃሚ ንኽበጽሓ ንዝተወስደ ስጒምቲ ብዝምልከት ድማ ሜጀር ክብረኣብ፡ ሓረስቶት ወይ ኣርባሕቲ – ጥሪቶም ናብ ኮርፖረሽን ዘራእትን ጥሪትን ክሸጡ፡ ምርጫኦም ባዕሎም ብቐጥታ ናብ ዕዳጋ ከቕርቡ ምስ ዝኸውን ድማ፡ ብዝተወሰነሎም ዋጋ ብቐጥታ ከቕርቡ ከምዝከኣል፡ ነዚ ንምስላጥ’ውን መንግስቲ ናጻ ናይ ኣገልግሎት መጐዓዝያ ሓገዝ ክገብረሎም ምዃኑ፡ ካብ’ዚ ወጻኢ ዕዳጋ ከወቓቕዕ ዝተረኽበ ግን፡ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝውሰደሉ ኣገንዚቡ።

ነዚ መስርሕ ንምትግባር፡ ብመሰረት መንግስቲ ዘውጸኦ መምርሒታትን ቅጥዕታትን፡ ኣብ ኩለን ዓድታት ሰለስተ ኣባላትን ሓደ ቀዋሚ ኣቦመንበርን ዘለወን ኮሚተታት ይምረጻ ከምዘለዋ፡ እቲ መደብ ንኽዕወት፡ እተን ኮሚተታትን ካልኦት ኣካላት መንግስቲን ተሓታትነት ብዘለዎ መገዲ ክሰርሓ ምዃነን ኣነጺሩ።

Categories