ፍሉይ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ካብ 4 ክሳብ 8 ሓምለ ኣብ ኒያሚ – ኒጀር ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ዋዕላ፡ ብቀዋሚ ወኪል ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃን፡ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ዝተመርሐ ልኡኽ ኤርትራ ተሳቲፉ።

እቲ ዋዕላ፡ ካብ 4 ክሳብ 5 ሓምለ ዝተኻየደ መበል 35 ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት-ምኽሪ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሪቃ፡ ብ7 ሓምለ ዝተኻየደ መበል 12 ፍሉይ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ከምኡ’ውን ትማሊ ንዝተኻየደ ዋዕላ ምውህሃድ ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባውያን ውድባትን የጠቓልል።

ኣብ’ቲ ካብ 4 ክሳብ 5 ሓምለ ዝተኻየደ ዋዕላ ፈጻሚ ቤት-ምኽሪ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ብፍላይ፡ ነቲ ኣብ መጀመርያ 2020 ዝካየድ ስሩዕ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝቐርብ፡ ከም ኣካል ሓፈሻዊ ተሃድሶ ናይ’ቲ ሕብረት ኣብ ዝተኣመመ ሓድሽ ቅርጺ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ።

ብዘይካ’ዚ፡ ንመስርሕ ትግባረ ናጻ ዕዳጋ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝከታተል ምምሕዳራዊ ቤት-ጽሕፈት ኣብ ጋና ክእንገድ ተወሲኑ።

Categories