ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ብ7ን 8ን ሓምለ ኣብ ካርቱም ምስ መራሕቲ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳንን (መ.ወ.ባ.ሱ) ሓይልታት ንናጽነትን ለውጥን ተራኺቡ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናታት ዘትዩ።

ኣቶ የማነ ብ7 ሓምለ ምስ ኣቦ-መንበር መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ሌ/ ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃንን ምክትል ኣቦ-መንበር ናይ’ቲ ባይቶ ሌ/ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብ ምምዕባል ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ጸጥታውን ዝምድናን ምትሕግጋዝን ኤርትራን ሱዳንን ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዱ።

እቲ ርክብ፡ ኣካል ናይ’ቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ወገናት ዝካየድ ቀጻሊ ምብጽጻሕን ምምኽኻርን ኰይኑ፡ ብቐንዱ ነቲ ዝምድና ንምድንፋዕ ኣብ ዝሕግዝ ምኽፋት ዶባትን ምንቅስቓስ ህዝቢ ካብን ናብን ኣገባባቱን ዘተኰረ እዩ።

ብዘይካ’ዚ ኣቶ የማነ፡ ትማሊ 8 ሓምለ ምስ ቀንዲ መራሕቲ ሓይልታት ንናጽነትን ለውጥን ሱዳን ተመሳሳሊ ርክብ ኣካዪዱ።

ክልቲኦም ወገናት፡ መሰጋገሪ መድረኽ ብዛዕባ ዝፈጥሮ ሰፊሕ ዕድላትን ዝህልዎ ብድሆታትን ድሕሪ ዝገበሩዎ ዘተ፡ ኣብ ታሪኻዊ ምሕዝነታዊ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን ዝተሰረተ ድልዱል ምትሕግጋዝ ንምምዕባል ተሰማሚዖም።

Categories