ኣብ ከተማ ዓዲ-ቐይሕ ዝርከብ ኮለጅ ምሕደራ ዋኒንን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን፡ ትማሊ 6 ሓምለ ኣብ ዘካየዶ ስነ-ስርዓት – 523 ተመሃሮ ኣመሪቑ።

እቶም ብዓውድታት – ኣተሓሕዛ ሕሳብ፡ ምሕደራ ዋኒን፡ ስነ-ቁጠባ፡ ፋይናንስ፡ ምሕደራ ህዝቢ፡ ባንኪን፡ ምሕደራ ቱሪዝምን ሆቴልን፡ ቋንቋ  እንግሊዝ፡ ቋንቋታት ኤርትራን ስነ-ጽሑፉን፡ ጂኦግራፍ፡ ታሪኽ፡ ጋዜጠኝነትን መራኸቢ ብዙሃንን፡ ሕጊ፡ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠትን ኣህጉራዊ ዝምድናታትን፡ ስነ-ሰብን ስነ-ጥንትን፡ ከምኡ’ውን ስነ-ማሕበራዊ ዕዮን ስነጥበባትን፡ ናይ ኮሌጅ ትምህርቶም ዝወድኡ ተመሃሮ፡ 251 ብዲግሪ፡ 272 ድማ ብዲፕሎማ እዮም ተመሪቖም።

ዲን ናይ’ቲ ኮለጅ ዶ/ር እስቲፋኖስ ሃይለማርያም፡ ንተመረቕቲን ወለድን “ዮሃና” ድሕሪ ምባል፡ ራእይ ናይ’ቲ ኮለጅ፡ ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ምሕደራ ዋኒንን ማሕበራዊ ስነፍልጠትን ዝበለጸ ማእከል ብቕዓት ብምዃን፡ ኣብ ሃገራዊ ማሕበረቁጠባዊ ልምዓት ንጡፍ ተራ ንምጽዋት ከምዝኾነ ገሊጹ።

እቲ ኮለጅ፡ ንምምዕባል ዓቕሚሰቡ እውን ዓቢ ኣተኲሮ ሂቡ ይሰርሓሉ ብምህላዉ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ብሓፈሻ 30 መማህራን – 7 ካብኦም ንዶክትረይት ንላዕለዋይ ትምህርቲ፡ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኢኹ የምህር ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ቱሪዝም ኣስካሉ መንቆርዮስ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ መትከላት ማሕበራዊ ፍትሒ ብምንቃል፡ ትምህርቲ ንኹሉ ዜጋ ብናጻ ክሳብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ እናሃበ፡ ፍልጠትን ልምዓትን ሃገር ብውሽጣዊ ዓቕሚ ክምራሕን ክትግበርን ብዝተኸተሎ መንገዲ፡ በብዓመቱ ድሙቕ ውጽኢቱ ይዂላዕ ከምዘሎ ገሊጻ።

Categories