ኤምባሲ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራ፡ ብምኽንያት 6ይ ዓመት ዝኽሪ “ተበግሶ ሓደ ቅናትን ሓደ መንገዲን”፡ ትማሊ 6 ሓምለ፡ ነቲ ተበግሶን ገስጋስ ትግባረኡን ዝድህስስ ሲምፖዝዩም ኣካዪዱ።

ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኤርትራ ሚስተር ያንግ ዚጋንግ፡ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት፡ እቲ ተበግሶ፡ ብመትከላት ሓባራዊ ረብሓ፡ ጥቡቕ ምምኽኻርን ሓባራዊ ኣበርክቶን ሓያሎ ሃገራት፡ ብቕልጡፍ ይግስግስ ከምዘሎ ገሊጹ።

ምትሕግጋዝ ኤርትራን ቻይናን ኣብ ጽላታት ሕርሻ፡ ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ጸዓት፡ ትሕተ-ቅርጺ፡ ዜና፡ ከምኡ’ውን ስፖርትን ባህልን እናሓየለ ይመጽእ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ኣምባሳደር ያንግ፡ ኤርትራ ብዘለዋ ውሁብ ጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣ፡ ንትግባረ “ተበግሶ ሓደ ቅናትን ሓደ መንገዲን” ኣገዳሲት ከምዝገብራ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ሲምፖዝዩም፡ ኣብ ኤርትራ ዝነጥፋ ኩባንያታት ቻይና፡ ኣብ ኤርትራን ብደረጃ ዓለምን ንዘካይድኦ ስራሓት፡ ከምኡ’ውን ምስ “ተበግሶ ሓደ ቅናትን ሓደ መንገዲን” ዝተኣሳሰር ዕማማተን ዘብርህ መግለጺታት ኣቕሪበን።

ካብ ዝተፈላለያ ሚኒስትሪታትን ኣካላት መንግስትን ዝተወከሉ ሰብመዚ ድማ፡ ንሓፈሻዊ ፖሊሲታት ልምዓት መንግስቲ ኤርትራ፡ ምስ ቻይና ዝካየድ ምትሕግጋዝን ዕድላቱን ብድሆታቱን፡ ከምኡ’ውን ዕቑር ተኽእሎታት ወፍሪ ኣብ ኤርትራን መጻኢ ኣመታቱን ዘነጽር መግለጺታት ኣቕሪቦም።

ቻይና ኣብ 2013 ዝኣወጀቶ ‘ተበግሶ ሓደ ቅናትን ሓደ መንገድን’፡ ኣብ ሓሙሽተ መትከላትን ኣዕኑድን – ኣብ ምውህሃድ ፖሊሲ፡ ምትእስሳር መሳለጥያታት፡ ንግድን ወፍሪን፡ ፋይናንሳዊ ውህደት፡ ምሕያል ህዝባዊ ጥምረት ዝተሰረተ፡ ንሰለስተክፋላት ዓለም ዘራኽብ ምድራውን ባሕራውን መራኸቢ ኮይኑ፡ ቀንዲ ደፋእቲ ረቛሒታት ናይ’ዚ ውጥን’ዚ ድማ፡ ምርግጋጽ ውሕስነት ጸዓትን ዕዳጋታትን እዮም።

Categories