ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዝተፈላለየ ሃገራዊ ንጥፈታት ኣካዪዶም።

ኣብ ፈረንሳ ዝርከቡ ጥርናፈታት ህግደፍን ኣካየድቲ ውዳበታትን፡ ብ29 ሰነ ቀዳማይ ዋዕላኦም ኣብ ከተማ ናንት ኣካዪዶም።

ኣብቲ፡ ካብ ከተማታት ናንት፡ ኣንዥ፡ ሬን፡ መትዝን ፓሪስን ዝመጹ ኣባላት ጥርናፈታት ህግደፍን ኣካየድቲ ውዳበታትን፡ ከምኡ’ውን ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣብ ስዊዘርላንድ ኣቶ ስለሺ እድሪስ ዝተሳተፉዎ ዋዕላ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ወይዘሮ ሃና ስምኦን፡ እቲ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ዝኾነ ዋዕላ፡ ሃገራውያን ውዳበታት ኣብ ፈረንሳ ንምሕያል – ዛጊት ናይ ዝተኻየደ ጻዕሪ ውጽኢት ምዃኑ ገሊጻ።

ኣብ’ቲ ዋዕላ፡ ኣማእዛኒ ኣስተምህሮታት ክወሃብ እንከሎ፡ ኣደ-መንበር ሃማደኤ ወይዘሮ ዮርዳኖስ ተኽለ፡ ንውዳበ’ቲ ማሕበር ኣብ ኩለን ከተማታት ዘሐይል ናይ ስራሕ መደብ ሂባ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፡ ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል፡ ብ30 ሰነ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ዋው ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር፡ ብጽንዓትን መኸተን ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ተኣትዩ ዘሎ ትስፉው መድረኽ ንምድልዳልን ንምዕቃብን፡ ብዝለዓለ ጥምረትን ውዳበን ምስራሕ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኩወይት፡ ኣቶ ሑመድ ያሕያ ሓሊ እውን፡ ንኤርትራውያን ተቐማጦ’ታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር፡ ህዝቢ ኤርትራ ሳላ ጽንዓቱ ንኹሉ ብድሆታት ሰጊሩ ኣብ ዘተኣማምን መድረኽ በጺሑ ከምዝርከብ ኣረዲኡ።

ጨንፈር ሃማደኤ ከተማ መልበርን – ኣውስትራልያ ብ30 ሰነ ኣብ ዘቃነዖ ጉባኤ፡ ኣደ-መንበር’ቲ ማሕበር ወይዘሮ ፍረወይኒ ገብረሚካኤል፡ ኣባላት ማሕበር ኣብ ልምዓታዊ መደባት ከምኡ’ውን ኣብ ምንባይ ስድራ-ስዉኣት እጃመን ከምዘበርከታን ብዝለዓለ ከምዝቕጽላኦን ገሊጻ።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣቡዳቢ – ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ብምኽንያት ‘መዓልቲ ኣፍሪቃ’ ንመበል 56 ግዜ ኣብ ዝተኻየደን፡ ናይ ልዕሊ 30 ሃገራት ኣፍሪቃ ኤምባሲታት ዝተሳተፋኦን ጽምብል፡ ንባህሊን ብዙሕነት ኣነባብራን ህዝቢ ኤርትራ ዘላሊ መደባት ኣቕሪቡ።

Categories