ቀዳማይ ገጽ መስርሕ ምህናጽ፡ ምጽጋንን ምስፋሕን ልዑል ማሕበረቊጠባዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ውሽጠ-ዞባዊ፡ ዞባዊ፡ ከምኡ’ውን ምስ ዶባት ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰሩ መገብቲ ጽርግያታት፡ ብምውህሃድ ፕሮጀክትታት ዓዲሃሎ፡ ሃገራውያን ኩባንያታት ህንጻ – ሰገን፡ ቀይሕ-ባሕሪ፡ ኣስቤኮን ብድሆን፡ ከምኡ’ውን ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ብጽቡቕ ይሰላሰል ኣሎ።

እቲ ኣብ ትግባረ ዝርከብ ፕሮጀክትታት፡ ካብ ነፋሲት ናብ ደቀምሓረ 40 ኪሎሜተር፡ ካብ ደቀምሓረ ናብ ተራ-እምኒ 29 ኪሎ-ሜተር፡ ካብ ዓዲ-ዃላ ናብ እንዳገርጊስ 18 ኪሎ-ሜተር፡ ካብ ድግሳ ናብ ሰርሓ ዝወስድ መስመር፡ ከምኡ’ውን ካብ ድግሳ ብመገዲ ሓላይ ኣቢሉ ናብ ዓዲቐይሕ ዝኣቱ መስመር የጠቓልል።

ኣብ ፕሮጀክት መስመር ነፋሲት – ደቀምሓረ ዝነጥፉ ኣካየድትን ሞያውያንን፡ እቲ ስራሕ፡ ምስፋሕ ጽርግያ ካብ 7 ናብ 14 ሜትሮ፡ ምጽጋንን ምህናጽን መስመር ነፋሲት – ማይ-ሓባር፡ ምግፋሕን ምህናጽን 25 ድንድላት፡ ከምኡ’ውን ቀጻሊ ንዝበላሾ ዝነበረ ካብ ማይ ሓባር ናብ ዓላ-ጋዴን ዝወስድ መስመር ብዝሓሸን ዝበለጸን ምትካእ ከምዘጠቓልል ሓቢሮም።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ለዓይተንን ዓዲ-ሮሶን ኣቶ ኣድም ኢብራሂም፡ ኣብ ለዓይተን ብምኽንያት’ቲ ፕሮጀክት ቦታ ከምዝቕይራ ንዝተገብረ 26 ስድራቤታትን 26 ትካላትን፡ መንግስቲ ብዝሓሸ ኣገባብ ኣባይቲ ይሃንጸለን ከምዘሎ ብምሕባር፡ ነበርቲ – ማይ-ክዖታት ኣብ ምፍዋስን ፈልሲታት ኣብ ምትካልን ይነጥፉ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ካብ ድግሳ ክሳብ ሰርሓ ኣብ ዘሎ መስመር ዝተዋፈሩ ሞያውያን፡ እቲ ስራሕ ብቐንዱ ኣብ ኵርባታት ንዝነበረ ጽበት ንምስፋሕን ንምምዕርራይን ዝዓለመ ምዃኑ፡ እቲ መስመር ካብ ዝነበሮ 7 ሜትሮ ናብ 20 ሜትሮ ይገፍሕን ደገፍቲ መናድቕ ይህነጸሉን ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ካብ እንድ-ሕሽ ናብ ሓዋጹ ዘሎ ኵርባታት ዝበዝሖ 7 ኪሎ-ሜተር መስመር፡ ብዝሓጸረ፡ ዝገፍሐን ዝጣጥሐን መስመር ንምቕያር፡ 5 ኪሎ-ሜተር ሓድሽ ጽርግያ ይህነጽ ከምዘሎ እውን ገሊጾም።

እቲ ፕሮጀክት ክሳብ ኪኖ ሰንዓፈ ከምዝበጽሐ፡ ብዓድታት ድግሳን ሓላይን ኣቢሉ ናብ ሓዋጹ ዝጽንበር ኣማራጺ መስመር እውን ብዝበለጸ ይስራሕ ምህላዉ ሓቢሮም።

ኣብ መስመር ደቀምሓረ – ተራእምኒ ዝህነጽ ዘሎ ትሕተ-ቅርጺ ጽርግያ፡ 25 ድንድላት ዘጠቓልል ኮይኑ፡ እቶም ድንድላት ከም ዲጋ እውን ከምዘገልግሉ ኮይኖም ይህነጹ ከምዘለዉ፡ ሞያውያን ኣረዲኦም።

ኣብ’ቲ ስራሕ ማሽነሪታት ብምምራሕ ዝነጥፉ ዘለዉ መንእሰያት፡ እቲ መደብ ድርብ ረብሓ ከምዘለዎን፡ ክእለቶም ከዕብዩን ርእሰ-ምትእምማኖም ከበርኹን ከምዝሓገዞምን ገሊጾም።

ካብ ዓዲ-ዃላ ብዓዲ-ኾቶዮ ኣቢሉ ናብ እንዳ-ገርጊስ ንዝወስድ ዝነበረ ጽርግያ፡ ካብ ዓዲ-ዃላ ገለ ኪሎ-ሜተራት ንምብራቕ ወጺኡ፡ ከምእንደገና ናብ ምዕራብ ተጠውዩን ሓያሎ መሬት ሰንጢቑን – ብዓድታት ገዛ-ኸረንን እንዳ-ገብርኤልን ብዝሓልፍ ኣስታት 30 ዓበይትን ንኣሽቱን ቢንቶታት ዘለዎ ሓድሽ መስመር ንምትካእ ንዝካየድ ዘሎ ፕሮጀክት ዝመርሑን ዝቕይሱን ዘለዉ ሞያውያን፡ እቲ ሓድሽ መስመር፡ ትሪ ዓቐበት ብምንካይ፡ ጽበት ብምግፋሕ፡ ኵርባታት ብምጉዳል፡ ከምኡ’ውን ብብዝሒ ሰንጢቑወን ዝሓልፍ ዓድታት ብልጫታት ከምዘለዎ ኣረዲኦም።

ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ዝተወከሰቶም ነበርቲ ናይ’ተን እቲ ጽርግያ ሰንጢቑወን ዝሓልፍ ዓድታት፡ እቲ ፕሮጀክት፡ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሂወቶም ብሓፈሻ፡ ኣብ ምዕባለ ናይ’ቲ ከባቢ ድማ ብፍላይ ዓቢ ግደ ከምዘለዎ ገሊጾም።

Categories