ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዓዲቐይሕን ደቀምሓረን፡ ካብ ተመሃሮን ሰራሕተኛታት መንግስትን – 222 መንእሰያት፡ ካብ 1 ክሳብ 3 ወርሒ ዝወሰደ ብግብሪ ዝተሰነየ ሞያዊ ኣስተምህሮ ቀሲሞም።

ብ27 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ምዕዋት’ቲ መደብ፡ ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ምምሕዳር ዞባ ደቡብን ኮለጅ ንግድን ማሕበራዊ ስነፍልጠትን ዓዲ-ቐይሕን ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ተገሊጹ።

ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ ኣቶ ግርማይ ገብሩ፡ ሞያውን ስነ-ጥበባውን ዓቕሚታት መንእሰያት ንምብራኽ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ብምውህሃድ ዝተፈላለዩ መደባት ይትግበሩ ከምዘለዉን፡ ንስራሕ መበገሲ ዝኾኖም ናይ ገንዘብን መሳርሒታትን ናይ ልቓሕ ዕድላት እውን ተዳልዩ ከምዘሎን ሓቢሩ።

ምስ መንእሰያት ኣብ ዝተተሓሓዘ ካልእ ዜና፡ መንእሰያት ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ንቕሓቶምን ውዳበኦምን ብምብራኽ ኣብ ትግባረ መደባት ልምዓት ዝምስገን ኣበርክቶ ከምዝነበሮም፡ ሃማመተኤ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ብ28 ሰነ ኣብ ዘካየዶ ገምጋማዊ ኣኼባ ሓቢሩ።

እቲ ንጥፈታት፡ ምትካል ፈልሲታት ኣብ መዘናግዒ ማእከል፡ ምሕጋዝ ስድራ-ቤት ስዉኣትን ጽጉማትን፡ ምሕያል ውዳበታት ማሕበርን ባህሊ ንባብን ዘጠቓለለ ምንባሩ፡ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

ኣኼበኛታት፡ ኣብ ምሕያል ንጥፈታት ትምህርቲን ጥዕናን እውን ብዝበለጸ ክስራሓሉ ኣዘኻኺሮም።

Categories