ኣብ መንደፈራ፡ ንዝስተ ማይ ተመሃሮን ካልእ ኣገልግሎታትን ዝውዕል ብልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ናቕፋ ዝተሃንጸ ፕሮጀክት ማይ፡ ብ30 ሰነ ተመሪቑ።

እቲ ብምውህሃድ ጨንፈር ማይ ዞባ ደቡብን ቤት-ትምህርቲ ማእከላይ ደረጃ መንደፈራን ዝተዋደደ ስርዓተ-ማይ፡ 225 ፊስቶ ክሕዝ ዝኽእል ገንኢን መዐደሊ ነቑጣን የጠቓልል።

ርእሰ-መምህር ቤት-ትምህርቲ ማእከላይ ደረጃ መንደፈራ፡ መምህር ነባዪ ወልደሚካኤል፡ እቲ ፕሮጀክት ማይ ኣብ ርእሲ’ቲ ንዝስተ ንካልእ ኣገልግሎት እውን ክፈትሕ ዝኽእል ብምዃኑ፡ ኣብ’ዚ ክራማት 500 ፈልሲታት ንምትካል ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ኣቶ ህዝቅያስ ውህበት፡ ምምሕዳር’ታ ቤትትምህርትን ተመሃሮን፡ ኣብ ኣተሓሕዛ’ቲ ፕሮጀክትን ኣጠቓቕማኡን ኣድላዪ ጥንቃቐ ክገብሩ ተላብዩ።

ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 1995/96 ኣገልግሎት ዝጀመረት ቤት-ትምህርቲ ማእከላይ ደረጃ መንደፈራ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ 1700 ተመሃሮ ኣአንጊዳ።

Categories