ኣብ ኣመሪካ፡ ሆላንድን ኣስመራን ዝነብሩ ዜጋታት፡ ንመናበዪ ስድራ-ስዉኣት ዝውዕል ልዕሊ 26 ሽሕ ዶላር፡ 8,600 ዩሮን 12 ሽሕ ናቕፋን ወፍዮም።

ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ላስ-ቨጋስ – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብምኽንያት 20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ዝወደቡዎ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ 16 ዜጋታት ነፍሲወከፎም ሓንቲ ስድራ-ስዉእ ንክልተ ዓመት ንምእላይ፡ 30 ዜጋታት ድማ ሓንቲ ስድራ ንሓደ ዓመት ንምእላይ፡ ብድምር 26,167 ዶላር ኣበርኪቶም።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ሆላንድ ዝነብሩ ብፓልቶክ ኢ.ፒ.ኤል.ኤፍ – ህግደፍ ቪዥን ሩም ዝተጠርነፉ ዜጋታት፡ ንመጣየሲ ስድራ-ስዉኣት 8,600 ዩሮ፡ ኣብ ኣስመራ እትነብር ስማ ክጥቀስ ዘይደለየት ስድራቤት፡ ኣብ ርእሲ’ተን ንክልተ ዓመት ዝናበየተን 8 ስድራ-ስዉኣት፡ ንመጣየሲ ሓንቲ ስድራ-ስዉእ ዝውዕል 12 ሽሕ ናቕፋ ከምዘወፈየት፡ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ሓቢሩ።

Categories