ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራዊ ማሕበረ-ኮም ኣብ ምዕራብ ካናዳ፡ ብ29ን 30ን ሰነ ኣብ ከተማ ካልጋሪ ብልዑል ድምቀት ተቓኒዑ።

ኣብ’ቲ ንኹሉ ክሊታት ዕድመ ኣብ ግምት ብዘእተወ ባህላዊ፡ ስፖርታውን ካልእን መሰናድኦታት ዝተሰነየ ፈስቲቫል፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማታት ካልጋሪ፡ ኤድመንተን፡ ሳስካቱን፡ ረጂናን ቫንኩቨርን፡ ከምኡ’ውን መሓዙት ኤርትራ ወጻእተኛታት ተሳቲፎም።

ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣብ ካናዳ ኣቶ እስቲፋኖስ ንጉሰ፡ ንተሳተፍቲ ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር፡ ንስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ዞባና ፈጢሩዎ ዘሎ ናይ ምትሕግጋዝን ሽርክነትን ሃዋህው፡ ዝምድና ኤርትራ ምስ ጐረባብታን ኪኖኡን ንምምዕባል ዝካየድ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት፡ ዞባዊ ምዕባለታትን መጻኢ ኣመታቱን፡ ከምኡ’ውን ንቀዳምነታት ሃገራዊ ልምዓታዊ መደባት ዝምልከት መግለጺ ሂቡ።

ብድሕሪ’ዚ ተሳተፍቲ፡ ውዳበታቶም ብምሕያል፡ ኣበርክቶኦም ኣብ ኩሉ ሃገራዊ መደባት ክብ ከብሉ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።

 

Categories