ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንምክትል ኣቦ-መንበር መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ሌተና ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ፡ ትማሊ 2 ሓምለ ኣብ ህንጻ ሃገር ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ኣብ’ቲ ርክብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ነዚ መሰጋገሪ እዋን ብሰላም ናብ መደምደምታኡ ናይ ምብጻሕ ሓላፍነት ከምዘለዎ ጠቒሱ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ከምዝድግፍ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን ገስጋሱን፡ ከምኡ’ውን ምዕባለታት ሱዳን ሓሳብ ተለዋዊጦም።

ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ዘሎ ኩነታት ድሕሪ ምዝታይ፡ እቲ ዶብ ክኽፈት፡ ንኣገባባቱ እትከታተልን እተተግብርን ብላዕለዋይ ኣካል ዝቘመት ሓባራዊት ኮሚተ ድማ ክትምስረት ተሰማሚዖም።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሱዳን ኣብ ግዜን መወዳእታ ዕለታትን ናይቲ ዝተኣልየ ስርዓት ኣትያቶ ካብ ዝነበረት ሓደገኛ ኩነታት፡ ብቓልሲ ህዝባን ነቲ ቃልሲ ዝድግፍ ወተሃደራዊ መሰጋገሪ ባይቶን ብእወታዊ መገዲ ትወጽእ ከምዘላ ብምሕባር፡ ሱዳናውያን ንግዳማዊ ምትእትታው ወጊድ ኢሎም፡ ነዚ መሰጋገሪ መስርሕ ንኽሓልፉ ዓቕምን ብቕዓትን ከምዘለዎም ኣረጋጊጹ።

ንምኽፋት ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ኣገባባቱን ብዝምልከት ድማ፡ ኣቶ የማነ፡ ብመሰረቱ ምዕጻው ዶብ ናይ’ቲ ዝሓለፈ ስርዓት ውሳነ’ምበር ናይ መንግስቲ ኤርትራ ምርጫ ከምዘይነበረ ድሕሪ ምንጻር፡ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ምስ ዘለዎ ማሕበረ-ቊጠባዊ ምትእስሳር፡ ምኽፋቱ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣቦ-መንበር መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ብ14 ሰነ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ፡ ታሪኻዊ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን ናብ ንቡር ንምምላስን ናብ ሓድሽ ናይ ሽርክነት መድረኽ ንምምዕባሉን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብሰፊሑ ከምዝዘተየ ይዝከር።

Categories