ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ኢጣልያ፡ ብ29ን 30ን ሰነ ኣብ ከተማ ሮማ ብሰፊሕ ሱታፌ ዜጋታትን መሓዙት ኤርትራን፡ ብልዑል መዓርግ ተኻዪዱ።

እቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተኸፍተ ፈስቲቫል፡ ስእላዊ ምርኢት፡ ባህላዊ መሰናድኦታት፡ ሰሚናር ኣብ ህልው ኩነታት ሃገርን ዞባዊ ምዕባለታትን፡ ካልእ ትሕዝቶታትን ዘጠቓለለ ነይሩ።

ኣብ’ዚ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢጣልያ ከምኡ’ውን ካብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዝመጹ ዜጋታት ዝተሳተፍዎ ዓመታዊ ፈስቲቫል፡ ኣስመራ ኣብ ዓለማዊ መዝገብ ውርሻታት ክትሰፍር ዝሓገዘ ጥንታውን ብርቂን ህንጻታት፡ ከምኡ’ውን ንጽምብል ናጽነት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢጣልያ ዘንጸባርቕ ስእላዊ ምርኢት ቀሪቡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር፡ ገስጋስ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ዞባና ፈጢርዎ ዘሎ ትስፉው ናይ ምትሕግጋዝ መድረኽን፡ ዝምድና ኤርትራ ምስ ጐረባብታን ኪንዮኡን፡ ቀዳምነታት ሃገራዊ መደባት ልምዓትን ተራ ዜጋታትን፡ ተራ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣብዚ ተኣትዩ ዘሎ ሓድሽ መድረኽ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባና ዝርአ ዘሎ ምዕባለታትን ኣመታቱን ዝምልከት ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ።

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ኢጣልያ፡ ካብ ኤርትራ ዝኸደት ጉጅለ ባህሊ ብዘቕረበቶ መሰናድኦ ደሚቑ ነይሩ።

Categories