ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሕርሻዊ ልምዓት ብሓፈሻ ልምዓት ጀራዲን ድማ ብፍላይ ዘተባብዕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ፡ ምምሕዳር’ቲ ዞባ ብ27 ሰነ ኣብ ዘካየዶ መንፈቓዊ ገምጋም ስራሕ ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ ዞባ 249 ሚሊ-ሜተር ዝዓቐኑ ዝናብ ክዘንብ እንከሎ፡ 50 ሄክታር ከምእተሓርሰን ልዕሊ ሓደ ሽሕን 200 ኩንታል ምህርቲ ከምእተሓፍሰን ዝጠቐሰ ጸብጻብ ንጥፈታት ሕርሻ፡ ኣብ 130 ሄክታር ኣሕምልትን ፍረታትን ንምልማዕ ብዝተሰላሰለ ስራሕ፡ ልዕሊ 4 ሽሕ ኩንታል እቶት ከምእተረኽበ ኣረዲኡ።

ንጥፈታት ምግፋፍ ዓሳ ንምምዕባልን ንምሕያልን፡ ንማሕበር ተራዲኦ ገፈፍቲ ዓሳ ብዝተገብረ ዘድሊ ምድግጋፍ፡ ልዕሊ 51 ቶን ዓሳ ከምእተኣከበን መስርሕ ምሕዳስ ፍቓድ ጀላቡ ከምእተሳለጠን በሪሁ።

ተሳተፍቲ፡ ተሳትፎን ተገዳስነትን ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ንምሕያል ዝያዳ ክስራሓሉ፡ ህዝቢ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምኡ’ውን ዕቃበ ቅርሲታትን ሃብቲ ገረብን ዝገብሮ ዘሎ ኣበርክቶ ክቕጽሎ ኣዘኻኺሮም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ፡ ህዝብን ኣካላት መንግስትን ንዘርኣይዎ ዕዙዝ ተሳትፎ ሞጒሱ።

Categories