ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ኣስመራ፡ ንክልተ ዓመታት ብትሽዓተ ዓውድታት ሞያ ዘምሃረቶም 67 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 194 ተመሃሮ፡ ብ30 ሰነ ኣመሪቓ።

ተመሃሮ፡ 27 ብኣውቶሜካኒክ፡ 22 ብሓፈሻዊ ህንጻ፡ 25 ብሓፈሻዊ ንድፊ፡ 29 ብኤለክትሪሲቲ፡ 28 ብኤለክትሮኒክስ፡ 11 ብሓፈሻዊ ስራሓት ሓጺን፡ 13 ብጽርበት ሓጺን፡ 25 ብቕየሳ፡ 14 ድማ ብሓፈሻዊ ጽርበት ዕንጸይቲ እዮም ተመሪቖም።

ርእሰ መምህር’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ምኡዝ ሃብተሚካኤል፡ ተመረቕቲ ብዝቐሰምዎ ትምህርቲ ከይተዛነዩ፡ ደረጃኦም ክብ ንምባል ጻዕሪታት ከካይዱ ተላብዩ።

(ምሉእ ጸብጻብ ስነ-ስርዓት ምረቓ፡ ኣብ ገጽ 8 ቀሪብ ኣሎ)

Categories