ብሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ዝተወደበ፡ ንመደበር ሓበሬታ ኣከባብን ኣጠቓቕማኡን፡ ትዕዝብቲ ትንቢት ክሊማዊ ለውጢ፡ ንኣጠቓላሊ እዋናዊ ኣከባብያዊ ሓበሬታን ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን ዝምልከት ስልጠና – ካብ 24 ክሳብ 28 ሰነ ኣብ ኣስመራ ተዋሂቡ።

ኣብ’ቲ ምስ ማእከል ክሊማዊ ትንቢትን ትግባረን ዞባዊ በይነ-መንግስታዊ በዓልስልጣን ንልምዓት – ኢጋድ ብምውህሃድ ዝተዋህበ ናይ 5 መዓልታት ስልጠና፡ ካብ ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪን ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳርን፡ ከምኡ’ውን በዓል-መዚ ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን ዝተዋጽኡ 6 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 26 ሰልጠንቲ ተሳቲፎም።

ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባብን ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሴ፡ ኣከባቢ ንኹሉ ሂወታዊ ፍጡር ዝጸሉ ስለዝኾነ፡ ብሰንኪ ዘይምእካብ ጽጹይ ሓበሬታ ብዙሕ ሂወት ክኽሰር ስለዝከኣል፡ ሰልጠንቲ ቀሲሞምዎ ንዘለዉ ፍልጠት ብዝለዓለ ክሰርሑሉን ከማዕብሉዎን ኣተሓሳሲቡ።

ካብ ኣሰልጠንቲ፡ ኣብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ – ኣወሃሃዲ ምሕደራ ሓደጋ ኣቶ ክፍለማርያም ስብሃቱ፡ ኤርትራ እትርከበን 10 ሃገራት ኣፍሪቃ፡ መደበራት ኣከባብያዊ ሓበሬታ ደኲነን ክሰርሓሉ’ኳ እንተጸንሓ፡ ኣድማዕነቱ ከምቲ ዝድለ ብዘይምዃኑ፡ እቲ ስልጠና ኣካል ናይ’ቲ ንምብርባሩን ንምምዕባሉን ተጀሚሩ ዘሎ ጻዕርታት ከምዝኾነ ገሊጹ።

ዕላማ’ቲ ስልጠና፡ ዓቕሚ-ሰብ ንምምዕባል ጥራይ ከምዘይኮነ ዝሓበረ ኣቶ ክፍለማርያም፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ክልተ ቦታታት ጥራይ ተሓጺሩ ዝጸንሐ መደበራት ምእካብ ኣከባብያዊ ሓበሬታ፡ ንኹሉ ጽላታት ዘገድስ ብምዃኑ ንምስፋሑ ተዳሊኻ ንምጽናሕ እውን ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ካብ ናይሮቢ – ኬንያ ዝመጸት ክኢላ ትዕዝብቲ ኣከባቢ፡ ሚስ ቫዮላ ኦቴኖ እውን፡ ኣብ ምእካብ ኣከባብያዊ ሓበሬታ – ውህደት ኣገዳሲ ምዃኑ ኣገንዚባ። ብዛዕባ ኩነታት መሬት ቅኑዕ ትዕዝብትን ጽጹይ ሓበሬታን ምምእራርን ምእካብን፡ ኣብ’ቲ ዝውሰድ ስጒምቲ መሰረታዊ ብምዃኑ፡ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን መደበራት ኣከባብያዊ ሓበሬታን ከምዝድፋኣሉ ድማ ሓቢራ።

Categories