ኤርትራውያን ነበርቲ ኢጣልያ፡ ኣውስትራልያ፡ ኒውዚላንድን ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳንን፡ ዝተፈላለየ ስራሓት ኣካዪዶም።
ኣብ ኢጣልያ – ማሕበረ-ኮማት፡ መንእሰያት ህግደፍ፡ ሃማደኤ፡ ኮሚተ ሚድያን ዲፕሎማስን፡ ኣብ ከተማ ሚላኖ – መንፈቓዊ ገምጋም ስራሕ ኣካዪዶም።
ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ፡ ኣቶ ፍስሓጼን ጴጥሮስ፡ ንህሉው ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ተኣትዩ ዘሎ ሓድሽ መድረኽ ውጽኢት ሓያል ጽንዓትን ተወፋይነትን ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ንምዕቃቡን ንምድንፋዑን ብዝለዓለ ምስራሕ ከምዘድሊ ኣስሚሩሉ።
ጠቕላሊ ቈንስል ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ኣቶ መሓሪ ተኸስተ፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ከተማታት ሲድኒን ኣዶላይድን ኣብ ዝገበሮ ሰሚናራት ድማ፡ ብዛዕባ ቀዳምነታት መደባት ልምዓት ኣብ’ዚ ሓድሽ መዋእል መብርሂ ሂቡ። ኣገዳስነት ርግኣትን ሰላምን ከባቢናን ዞባናን እውን ገሊጹ።
ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል ብወገኑ፡ ብ22 ሰነ ንኤርትራውያን ነበርቲ ዞባ ኣዊል ኣብ ዘካየዶ ኣኼባታት፡ ኣብ ንቕሓት ዝተመርኰሰ ውዳበታቶም ከሐይሉ ኣዘኻኺሩ።
ኣምባሳደር ዮውሃንስ ብዘይካ’ዚ፡ ምስ ኣመሓዳሪ ዞባ ኣዊልን ካልኦት ሰብ-መዚን’ቲ ዞባ፡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናን ኣገዳስነት ምምዕባሉን ዘትዩ።