ኣብ ከተማ ኣስመራ እትርከብ ቤት-ትምህርቲ ንግዲ ደንደን፡ ንክልተ ዓመታት ዝተማህሩ 333 ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም 462 ተመሃሮ፡ ትማሊ 27 ሰነ ብሰርቲፊኬት ኣመሪቓ።

እቶም ካብ ዝተፈላለያ ዞባታት ዝመጽኡ ተመሃሮ፡ ብዓውድታት ኣተሓሕዛ ሕሳብ፡ ሰክሬታርያል ሳይንስ፡ ምሕደራ ዋኒንን ላይብረሪ ሳይንስን እዮም ተመሪቖም።

ሓላፊ ቤት-ትምህርቲ ንግዲ ደንደን ኣቶ ሃብተገርግሽ ቴድሮስ፡ ዝዓበየ ጸጋ ሃገርና ዓቕሚ-ሰብ ስለዝኾነ፡ ኣብ’ዚ ጸጋ’ዚ ወፍሪ ምግባር ድርብ መኽሰብ ከምዘለዎ – ንተመኵሮ ገለ ሃገራት ጠቒሱ መብርሂ ሂቡ። እዞም ብዝግባእ ሰልጢኖም ንምምራቕ ዝበቕዑ መንእሰያት፡ መርኣያ ናይ’ቲ መንግስቲ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ከምዝኾኑ ድማ ኣረዲኡ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ጨንፈር ምክትታልን ምርግጋጽን ብቕዓት፡ ኣቶ መዓሾ ገብረትንሳኤ፡ ተመረቕቲ ዝተመሃሩዎ ዓውዲ ብውፉይ ስራሕ ህዝቦም ከገልግሉሉ ትጽቢት ከም ዝግበረሎም ኣዘኻኺሩ።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ካብ ነፍሲ-ወከፍ ዓውዲ ብሉጽ ውጽኢት ንዘመዝገቡ ተመሃሮ፡ ከምኡ’ውን ብሉጻት መማህራንን ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ኣበርክቶ ዝገበሩ ኮሚተ ወለዲን፡ ሜዳልያን ወረቐት ምስክርን ተዓዲሉ።

ቤት-ትምህርቲ ንግዲ ደንደን፡ ሎሚ ዓመት ንመበል 17 ግዜኣ እያ ተመርቕ ዘላ።

Categories