ኣብ ኣመሪካ እትቕመጥ፡ ኤርትራዊት ተመሃሪት ዩኒቨርሲቲ – መንእሰይ ጽዮን ዮሃንስ፡ ብልዕሊ 140 ሽሕ ናቕፋ፡ ኣብ ቤት-ትምህርቲ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ሸኻ ወዲ-ብስራት – ንኡስ ዞባ መንደፈራ ዘዋደደቶ ፕሮጀክት መስመር ማይ ተመሪቑ።

ብ21 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት መመረቕታ፡ መንእሰይ ጽዮን ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ እቲ ተበግሶ – ካብ ስድራ-ቤታ፡ መሓዙታን ፈተውታን ንዘዋህለለቶ ገንዘብ፡ ጸገም ተመሃሮ ኣብ ምፍዃስ ንምውዓል ካብ ዝብል ዕላማ ከምዝነቅል ጠቒሳ፡ ካልኦት መንእሰያት ተመሳሳሊ ተበግሶታት ክወስዱ ተላብያ።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ሸኻ ወዲ-ብስራት ኣቶ ሃይለ ብርሃነ፡ መንእሰይ ጽዮን ብዝወሰደቶ ኣብነታዊ ተበግሶ፡ ልዕሊ 100 ሜትሮ ዝንውሓቶም ሻምብቆታት ማይ ካብ ጊነባለ ናብ’ታ ቤት-ትምህርቲ ከም እተዘርግሐ፡ ተበላሽዩ ዝጸንሐ መስመራት እውን ከም እተጸገነ ሓቢሩ። ብስም ነበርትን ተመሃሮን ድማ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።

ተመሃሪት ጽዮን ዮሃንስ፡ ኣብ 2015 እውን ልዕሊ 400 ሽሕ ናቕፋ ወጻኢ ብምግባር፡ ንተቐማጦ ገዛ-ጎቦ መስመር ማይ ከም ዘእተወትሎም ይፍለጥ።

Categories