ብሓላፊ ቊጠባዊ ጉዳያት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ሚስተር ዋንግ ዪ ተራኺቡ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን ቊጠባዊ ምትሕብባርን ዘትዩ።

ትማሊ 25 ሰነ ኣብ በይጂን – ጐድኒ-ጐድኒ ዋዕላ ገስጋስ ትግባረ ውሳነታት ‘ምትሕግጋዝ ኣፍሪቃን ቻይናን’ (FOCAC) ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣቶ ሓጐስ፡ ንተመሳሳልነት ታሪኻዊ ተመኵሮ ህዝባዊ ቃልሲን ሓባራዊ ክብሪታት ንማሕበራዊ ፍትሒን ክልተአን ሃገራት ብምጥቃስ፡ ኣብ’ዚ ዓንድታት ዝምርኰስ ድልዱል ቊጠባዊ ምትሕግጋዝ ምድንፋዕ፡ ብወገን ኤርትራ ዘሎ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።

ሕመረት መደባት ልምዓት ኤርትራ፡ ኣብ ወፍሪን ንግድን ዝተሰረተ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ሓጐስ፡ ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ንኤርትራ ዝገበረቶ ደገፍ፡ ኣብ ምርግጋጽ ተጨባጢ ውጽኢት ርኡይ ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ገሊጹ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ዋንግ ዪ ብወገኑ፡ ዝምድና ሃገሩን ኤርትራን ታሪኻውን ሕውነታውን ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ነዚ ንምዕዛዝ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን መድረኻት ምስ ኤርትራ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ድሌትን ቅሩብነትን ሃገሩ ኣረጋጊጹ።

“ብስትራተጂካዊ ኣጠማምታ፡ ኤርትራ ኣዝያ ኣገዳሲት ሃገር’ያ” ዝበለ ሚስተር ዋንግ ዪ፡ ንንጡፍን ሃናጽን ተራ ኤርትራ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምምጓስ፡ ሃገሩ ኣብ ህንጸት ኣባይቲ፡ ጽላት ጥዕና፡ ከምኡ’ውን ዳህሳስ ነዳዲን ጋዝን፡ ምትሕብባራ ንምስፋሕ ቅርብቲ ምዃና ኣነጺሩ።

ኣብ’ቲ ርክብ ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ መጻኢ ምትሕብባር ዘድልዮም ጽላታት ብምልላይ፡ ንትግባረኦም ዝምልከት ሓሳብ ተለዋዊጦም።

ብኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት ዝምራሕ ልኡኽ ኤርትራ፡ ብ24ን 25ን ሰነ ኣብ በይጂን – ቻይና ኣብ ዝተጋብአ ኣኼባ ኣወሃሃድቲ ዋዕላ ገስጋስ ትግባረ ውሳነታት ‘ምትሕግጋዝ ኣፍሪቃን ቻይናን’ ከምእተሳተፈ ይፍለጥ።

Categories