ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ትማሊ 24 ሰነ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣቦ-መንበር መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብጺሑ።
መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ደገፍ መንግስቲ ኤርትራ ንህዝቢ ሱዳን፡ ፖለቲካዊ ሓይልታቱን መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶን ዘረጋግጽ፡ ዕዉት መስርሕ ምስግጋር ንምክያድ ንዝሰላሰል ዘሎ ጻዕሪን ዕቱብ ተራ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶን ዘመጒስ፡ ከምኡ’ውን ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን በዚ ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ለውጢ፡ ሓድሽ ምዕራፍ ብምኽፋት ናብ ዝለዓለ ናይ ምትሕግጋዝ ደረጃ ከምዝምዕብል ዘሎ ጽኑዕ እምነት ዝገልጽ እዩ።
ኣቦ-መንበር መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ብወገኑ፡ ኤርትራ ካብ ሰናይ ጒርብትና ተበጊሳ ጉዳይ ሱዳን ብሱዳናውያን ንኽፍታሕ ንእተርእዮ ዘላ ምትብባዕን ምድግጋፍን ድሕሪ ምምጓስ፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ናብ ንቡር ንምምላስ ብወገን ሃገሩ ንዘሎ ድሌትን ቅሩብነትን ኣረጋጊጹ።
ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ብዘይካ’ዚ፡ ምስ ምክትል ኣቦ-መንበር መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ከምኡ’ውን ሓላፊ ኮሚተ ፖለቲካን ጸጥታን ተራኺቡ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባታት ዘትዩ።
ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ካርቱም ኣብ ዝኣተወሉ፡ ዋና ጸሓፊ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት – ሌተና ጀነራል መሓመድ-ዓሊ ኢብራሂም ተቐቢሉዎ።