ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ብምኽንያት 20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ዘካየዱዎ ናይ ዝኽሪ መደባት፡ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ንምስሳንን ስድራ ስዉኣት ንምሕጋዝን፡ ልዕሊ 36 ሽሕ ዩሮ፡ ኣስታት 39 ሽሕ ዶላር፡ ልዕሊ 47 ሽሕ ጅኔ ሱዳንን 52,500 ናቕፋን ኣበርኪቶም።

ብመሰረት’ዚ፡ ኤርትራውያን ማሕበረኮማት ኣብ ከሰላ፡ ገዳርፍ፡ ፖርት-ሱዳንን ካርቱምን – ሱዳን፡ ከምኡ’ውን ውድበታት ህግደፍ፡ ሃማደኤ፡ መንእሰያት ህግደፍን ኣብያተ-ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤልን ኣቡነ ኣረጋዊን፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ 15 ስድራ ስዉኣት ንምጥዋር ዝወሰዱዎ ሓላፍነት፡ ሎሚ ዓመት 47 ሽሕን 850 ጅኔ ወፍዮም።

ኤርትራውያን ነበርቲ ሚላኖን ከባቢኣን – ኢጣልያ ኣስታት 22 ሽሕ ዩሮ፡ ኣብ ሆላንድ – ነበርቲ ሮተርዳም 5,931 ዩሮ፡ ነበርቲ ኣምስተርዳም 2,719 ዩሮ፡ ነበርቲ ኣመርስፎርት 1,600 ዩሮ፡ ነበርቲ ካምፐን 1,140 ዩሮ፡ ነበርቲ ላይደን 930 ዩሮ፡ ነበርቲ ኡትረኽት 500 ዩሮ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ – ነበርቲ ከተማታት ሰይንትፖልን ሚኒያፖሊን 12,478 ዶላር፡ ነበርቲ ኣትላንታን ከባቢኣን ድማ 12 ሽሕ ዶላር ኣበርኪቶም።

ብዘይካ’ዚ፡ “ደቂ ሓደ ልቢ” ብዝብል መጸውዒ ዝተጠርነፉ ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል 12 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ፡ ኣብ ደቡብ-ኣፍሪቃ ዝነብሩ ዜጋታት 3,217 ዶላር ኣመሪካ፡ ተቐማጦ ከለንን ከባቢኣን – ጀርመን ድማ 1,200 ዩሮ ኣታዊ ገይሮም።

ኤርትራውያን ነበርቲ ቺካጎን ከባቢኣን – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 52 ሽሕን 500 ናቕፋ ከበርክቱ እንከለዉ፡ ኣብ ከተማ በርሊን – ጀርመን ዝነብሩ ትሕቲ ዕድመ ኣሕዋት ናኦድ ፍጹምን ዮሃና ፍጹምን – ወርሓዊ 30 ዶላር ኣመሪካ እናቘጠቡ፡ ስድራ ስዉኣት ንሓደ ዓመት ንምሕጋዝ ቃል ኣትዮም።

Categories