ነበርቲ 22 ምምሕዳራት ከባቢ – ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ካብ ፈለማ ወርሒ ሰነ ጀሚሮም በብዓዶምን ከባቢኦምን ተወዲቦም፡ ንስድራ ስዉኣት ኣብ ምሕጋዝ ይነጥፉ ኣለዉ።
ጸሓፊ ህግደፍ ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ከበዶም ተፈሪ፡ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ሓድሽ-ዓዲ፡ ዓራውቲ፡ ዓዲ-በልሰይ፡ ዝባን ደብሪ፡ ዓደ-በዛን ሓውሲ ከተማ ዓረዛን፡ 611 ጽምዲ ብዕራይ ብምውፋር፡ ናይ 241 ስድራ ስዉኣት ግራውቲ ከም ዝሓረሱን፡ ናይ 40 ካልኦት ስድራ ስዉኣት ሃዳሙ ከም ዝደብደቡን ገሊጹ።
“ሕድሪ ስዉኣት ተቐቢልና፡ ብዓቕምና ንስድራ ስዉኣትን ደቆሙን ክንድግፍ ከለና፡ ናይ ሕልና ዕረፍቲ’ዩ ዝስመዓና’ ዝበሉ ነበርቲ፡ ጾር ስድራ ስዉኣት ንመንግስቲ ጥራይ ዝግደፍ ዕማም ስለዘይኮነ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ኣብ’ዚ ቅዱስ ዕላማ ኣበርክቶ ክገብር ኣዘኻኺሮም።
ሓገዝ ዝተገብረሎም ስድራ ስዉኣት ብወገኖም፡ ኣብ ርእሲ’ቲ መንግስቲ ብስሩዕ ዝህቦም ደበስን ካልእ ደገፍን፡ ካብ ሕብረተሰብ ዝረኽብዎ ክብርን ዝግበረሎም ምድግጋፍን ሓበን ከምዝስመዖም ብምጥቃስ፡ ምስጋና ኣቕሪቦም።
ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ሓውሲ ከተማ ዓረዛ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ነበርትን ኣባላት ክፍለ-ሰራዊት 85-ነበርን፡ ኣብ መቓብር ስዉኣት ወፈራዊ ማእቶት ከምዘካየዱ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሰራሕተኛታት ትካላት መንግስትን ኣባላት ሃማደኤን፡ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ከተማ ኣቑርደት ወፈራ ኣካዪዶም።
እቲ ስራሕ – ምግራብ፡ ምዂዓት ጎዳጉዲ፡ ምስራሕ ከትርታትን ዛላታትን ዘጠቓለለ እዩ።