ምምሕዳር ዞባ ማእከል፡ መደባት በዓል ናጽነት 2019 ንምምዕራግ ንዝጸዓራን፡ ኣብ ካርኒቫል ብሉጽ ዕዮ ንዘቕረባን – 13 ንኡሳን ዞባታት፡ 3 ኣፍረይቲ ትካላትን ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከልን፡ ናይ ምስጋና ወረቐትን ሽልማትን ዓዲሉ።

ኣብቲ ብ10 ሰነ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ማእከል ኣቶ እንድርያስ ኣስመሮም፡ ኣብ ምድላው ካርኒቫል ዝካየድ ውድድራት – ኣብ ምድማቕ ጽምብል ናጽነት ዘለዎ ኣገዳስነት ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣብቲ ዝቐረበ ትሕዝቶታት ንዝነበረ ብልጫታትን ጉድለታትን ዘብርህ ሰፊሕ ጸብጻብ ኣቕሪቡ።

ናይ ሎሚ ዓመት ካርኒቫል፡ መሬት ከይመሰየ ብምቕራቡ ብልጫ ከምዝነበሮ ዝጠቐሰ ኣቶ እንድርያስ፡ ኣብ ኣብያተትምህርቲ መባእታ፡ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት ዝተዳለወ መደባት፡ ከም’ቲ ዝድለ ስለዘይነበረ ንዓመታ ጠመተ ክግበረሉ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ’ቲ ጸብጻብ ምርኵስ ብምግባር ኣብ ዘካየዱዎ ዘተ፡ ዝረኣዩ ሕጽረታት ንምውጋድ – ንምድላዋት እኹል ግዜ ክወሃብን እኹል ባጀት ክስላዕን ተላብዮም።

ኣብ መወዳእታ፡ ብኣሰላልፋ ህዝቢ ቀዳመይቲ ዕዉትቲ – ንኡስ ዞባ ኣኽርያ፣ ስ/ ሸ ዊ ት ገ / ብ ር ሃ ን ስ/ ኤ ቨ ን የ ዕ ብ ዮ ኣብ ቅርጽን ቅብኣን ቀዳመይቲ – ንኡስ ዞባ ጎዳይፍ፣ ብሓፈሻ ብሉጽ ስራሕ ድማ ቀዳመይቲ – ንኡስ ዞባ 4 ኣስመራ ብምዃን፡ ካብ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ሓላፊ ህግደፍ ዞባ ማእከል ኣቶ ዩሱፍ ሳይቕን ካልኦት ሓለፍትን ሽልማት ተቐቢለን።

Categories