ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማታት ሎስ-ኣንጀለስ፡ ላስ-ቬጋስን ሳን-ዲየጎን – ደቡባዊ ምዕራብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ መበል 28 ዓመት በዓል ናጽነት፡ “ጽንዓት ብጽንዓት ንልምዓት” ብዝብል ቴማ ብልዑል ማዕርግ ጸምቢሎም።

እቲ ካብ 22 ክሳብ 26 ግንቦት ዝተኻየደን መሓዙት ኤርትራ ወጻእተኛታት እውን ዝተሳተፉዎን ጽምብል፡ ንጽባቐ ባህላዊ ትሕዝቶ ብሄራትና ዘንጸባርቕ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት ዘአንገደ ክኸውን እንከሎ፡ ምምሕዳር ከተማ ላስ-ቬጋስ – ናይ ዮሃና መልእኽቲ ከምዝለኣኸ ተፈሊጡ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣባላት ሃማደኤ ኣብተን ከተማታት፡ ኣብ’ቲ ዕለተ-ጽምብል ብዘካየድኦ ንጥፈታት ዝረኸባኦ ኣታዊ፡ ኣብ ከተማ ባጽዕ ክህነጽ ተመዲቡ ንዘሎ መሰልጠኒ ማእከል ደቂኣንስትዮ ክውዕል ኣበርኪተናኦ።

Categories