ኣባላት ዝተፈላለያ ውዳበታት ሃማመተኤ ዝኾኑ – 80 መንእሰያት ተመሃሮ ንኡስ ዞባ ዓሰብ፡ ኣብ ከባቢኦም ዝሰላሰል ዘሎ መደባት ልምዓት ንምዕዛብን ኣፍልጦኦም ንምስፋሕን ዝሕግዞም ዑደት ኣካዪዶም።

እቲ ብሃማመተኤ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝተወደበ ዑደት፡ ብቐንዱ ናብ ትካላት ስርሓት ጨውን መጻረዪ ነዳዲን ምንባሩ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ሞያውያን ድማ፡ ንድሕረ-ባይታን ናይ ኣፍራይነት ዓቕምን ናይተን ትካላት ብዝምልከት መብርሂ ሂቦምዎም።

እቶም መንእሰያት ብድሕሪ’ዚ፡ ኣበርክቶኦም ኣብ ትግባረ ልምዓታዊ መደባት ከሐይሉ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

Categories