ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ተመሃሮ ብኣጋጣሚ 20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ንዝትከል ኣግራብ ዝኸውን ጐዳጒዲ ንምድላውን፡ ጣንጡ ዝራባሓሉ ቦታታት ንምድፋንን፡ ብ31 ግንቦት ወፈራዊ ማእቶት ኣካዪዶም።

እቲ ብጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ተወዲቡ ዝተኻየደ ስራሕ፡ ኣካል ናይ’ቲ ንተመሃሮ ብሞያን ስነ-ምግባርን እውን ንምዅስኳስ ዝግበር ንጥፈት ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ካብ መባእታ ክሳብ 2ይ ደረጃ ልዕሊ 80 ሽሕ ተመሃሮ ኣብ 234 ኣብያተ-ትምህርቲ ስሩዕ ትምህርቲ ይከታተሉ ምህላዎም፡ ካብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

Categories