ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ብ1 ሰነ – ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ተኣኻኺቦም፡ በዓል ናጽነት ሃገሮም ብልዑል ድምቀት ጸምቢሎም።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ኣቶ ሰለሙን ክንፈ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ንናጽነቱን ልኡላውነቱን ዒላማ ዝገበሩ ከበድቲ ብድሆታት ከምዝገጠሙዎ፡ ሳላ ጽንዓቱን ሓያል ናይ መኸተ ባህሉን ግዳ – ንኹሉ ተጻብኦታት ስዒሩ፡ ናብ ሓድሽን ትስፉውን መድረኽ ተሰጋጊሩ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

“እዚ ሓድሽ መድረኽ ሰላም፡ ከም’ቲ ናይ ራህዋ ዕድላቱ ብድሆታት እውን ኣለዎ” ዝበለ ኣቶ ሰለሙን፡ ከም ዜጋታት፡ ብሓያል ንቕሓትን ድልዱል ውዳበታትን ዕዙዝ ተራ ንምጽዋት ታሪኻዊ ሓላፍነት ከምዘሰክመና ኣገንዚቡ።

እቲ በዓል፡ ህቡባት ድምጻውያን ብዘቕረቡዎ ባህላዊ መሰናድኦ ከምዝደመቐ ተፈሊጡ።

Categories