ኤርትራውያን ነበርቲ ብሪዝቤን – ኣውስትራልያን ኣትላንታ – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ በዓል ናጽነቶም ብክብ ዝበለ ድምቀት ጸምቢሎም።

ብ1 ሰነ ኣብ ብሪዝቤን ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ጠቕላሊ ቈንስል ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያ፡ ኣቶ መሓሪ ተኸስተ፡ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ናጽነት – እዚ ከባቢ ሰላም ኣብ ዝረኣየሉ ኩነታት ይጽምበል ምህላዉ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ነዚ ውጽኢት ጻዕርን ትዕግስትን ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝኾነ ሰላም’ዚ ንምዕቃብ፡ ከም ዜጋታት ረዚን ሓላፍነት ንስከም ምህላውና ኣዘኻኺሩ።

“ነዚ ኣቲናዮ ዘሎና መድረኽ ሰላም ብልምዓት ንምድራዑ፡ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ሓድነትና ኣትሪርና ምስራሕ ከድልየና እዩ” ክብል ኣስሚሩሉ ኣቶ መሓሪ።

ኣቦ-መንበር ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ብሪዝቤን፡ ኣቶ ደበሳይ ጸሃየ ድማ፡ ነቲ በዓል ንምምዕራግ ንዝሰርሑ ኩሎም ድሕሪ ምምስጋን፡ ዝውጠኑ መደባት ልምዓት ንምዕዋት ኣብ ማሕበረኮሞም ዘሎ ድሉውነት ኣረጋጊጹ።

እቲ ጽምብል፡ ንናጽነትን ስለኣ ንዝተኸፍለ ዋጋን ብዘንጸባርቕ ባህላውን ስነ-ጥበባውን መሰናድኦታት ደሚቑ ነይሩ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ኣትላንታ – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እውን፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት – ብ1 ሰነ እዮም በዓል ናጽነቶም ጸምቢሎም። ህጻናት ሕድሪ ዘዳለዉዎ ንምስሊን ሓድነትን ብሄራትና ዘንጸባርቕ ምርኢት ድማ፡ ልዑል ኣድናቖት ረኺቡ።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ንዝዛዘሙ ተመሃሮ፡ ብማሕበረ-ኮም ናይ መተባብዒ ወረቐት ምስክር ተዓዲሉ።

Categories