ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ሓሙሽተ ንኡሳን ዞባታት ብመንግስቲ ዝስራሓ ዘለዋ ሸውዓተ ንኣሽቱ ዲጋታት፡ 75 ሚእታዊት ካብ ስራሓተን ከምእተሳለጠ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ደቡብ ሓላፊ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ልምዓት መስኖን ኣቶ ተኽለሃይማኖት ዘርኣይ ሓቢሩ።

እተን ዲጋታት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ኣብ ከባቢ ደቂ-ወራሲ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ኣብ ዓዲዓዳ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ ኣብ ከባቢ ማእዶ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ኣብ ማይ-ዕዳጋን ዓዲ-ንፋስን፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ድማ ኣብ ዓዲ-ሓዲዳን ደግራመሬቶን ይስራሓ ከምዘለዋ ዝገለጸ ኣቶ ተኽለሃይማኖት፡ በብደረጃአን ካብ 20 ሽሕ ክሳብ 290 ሽሕ ሜተር ኲብ ማይ ክሕዛ ዓቕሚ ከምዘለወን ገሊጹ።

እዚ ብልዑል ተሳትፎ ህዝቢ ዝሰላሰል ዘሎ ስራሕ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ በብከባቢኡ ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ምዃኑን፡ እተን ዲጋታት ትሕተ ባይታዊ ማይ ብምህብታም መስኖኣዊ ሕርሻ ከደንፍዓ ትጽቢት ከምዝግበርን ኣረዲኡ።

ቅድሚ ክራማት ንምዝዛመን ጻዕርታት ክሕይል ከምዘድሊ ድማ፡ ኣቶ ተኽለሃይማኖት ዘርኣይ ኣገንዚቡ።

Categories