ካብ እዋን ረፈረንደም -1993 ኣትሒዙ፡ በብመድረኹ ንዝተሓልፈ ምዕራፋት መኸተን ልምዓትን ዘንጸባርቕ ትሕዝቶ ዝሓቘፈ – ካርኒቫል ጽምብል መበል 28 ዓመት ናጽነት፡ ትማሊ 22 ግንቦት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ቀንዲ ጎደናታት ከተማ ኣስመራ ቀሪቡ።

ነዚ ብ13 ንኡሳን ዞባታት ማእከልን ሰለስተ ሃገራውያን ትካላትን ዝቐረበ፡ ግዜ ብዝሓለወ ኣገባብ፡ ሰንሰለት ታሪኻዊ ፍጻመታት ዝተንጸባረቐሉ ምርኢት፡ ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንዴሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድን ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይን እዮም መሪቖም ከፊቶምዎ።

እቲ ካብ ሽዳ ተበጊሱ፡ ብጐደናታት ሰማእታትን ሓርነትን ሓሊፉ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ዝተዛዘመ፡ ብወካሊ ስነ-ጥበባዊ ዕዮ ዝማዕረገ ምርኢት ካርኒቫል፡ መስርሕ ረፈረንደም፡ ሳዋን መኸተን፡ ምኽባር ልኡላውነት፡ ምስጓጕ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ፡ ስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን፡ መኸተ ዜጋታት ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ኣብ ስፖርት ዝተመዝገበ ገስጋስ፡ ከምኡ’ውን ምኽታም ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኣስመራን ንዓኡ ስዒቡ ዝመጸ ምዕባለታት ሰናይ ጉርብትና ዘንጸባርቕ እዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኩባንያ ህንጻ ሰገን፡ ትካል ስራሓት ሓጺንን ዕንጸይትን ሰምበል፡ ከምኡ’ውን ኮርፖረሽን ኤሪ-ቴል፡ ሃገራውያን ኩባንያታትን ትካላትን ኣብ መስርሕ ህንጸት ሃገር ዘሰላስላኦ ዘለዋ ንጥፈታት ብውክልና ኣቕሪበን።

ሓደ ካብ ዓበይቲ መደባት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ዝኾነ ካርኒቫል፡ ዓመት መጸ ህዝቢ በብምምሕዳሩ ፍሉይ ምድላዋት ብምግባር ዘዳልዎ፡ ናይ ምህዞ ጥበብ ዝተሓወሶ፡ ተንቀሳቓሲ መድረኽ ምርኢት እዩ።

Categories