ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ምስ ወከልቲ ሓይልታት ናጽነትን ለውጥን ሱዳን ተራኺቡ።

ኣብቲ ብ20 ግንቦት ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ርክብ፡ ወከልቲ ሓይልታት ናጽነትን ለውጥን ሱዳን፡ ልኡኽ ኤርትራ ንዝገበሮ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብጽቡቕ መንፈስ ከምእተቐበልዎ ብምግላጽ፡ ንራኢኦም ብዛዕባ መጻኢት ሱዳንን ምዕባለታት ናይ’ቲ ምስ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ዝገብርዎ ዘለዉ ዘተን መብርሂ ሂቦም።

ልኡኽ ኤርትራ ብወገኑ፡ እቲ ዘተ ንረብሓ ሰላም፡ ርግኣትን ልምዓትን ሱዳን ክኸውን ሰናይ ድሌት ኤርትራ ገሊጹ።

ኣብ ሱዳን ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፈጸመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ብ19 ግንቦት እውን ምስ ኣቦመንበርን ምክትል ኣቦ-መንበርን መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ተራኺቡ፡ ብዛዕባ ምዕባለታት ሱዳን ከምዝዘተየ ይዝከር።

Categories