ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ (ሃኮሰኤ)፡ ብኣጋጣሚ ጽምብል ናጽነት፡ ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ንዝተዋጽኡ ኣስታት 70 መንእሰያት ሰራሕተኛታት፡ ናብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዑደት ወዲቡ።

ኣብ’ቲ ብ11ን 12ን ግንቦት ዝተኻየደ ዑደት ዝተሳተፉ መንእሰያት፡ ኣብ ከተማ ባጽዕ ዝተደኰነ ማእከል ሞያዊ ስልጠና ሰራሕተኛታት፡ ፋብሪካ ፕላስቲክ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መስርሕ ህንጸት ዘሎ ዲጋ ጋሕቴላይ በጺሖም።

እቶም መንእሰያት፡ ነቲ ንካልኣይ ዓመቱ ስሩዕ ስልጠና ዝህብ ዘሎ ማእከል ተዘዋዊሮም ኣብ ዝተዓዘቡሉ፡ ብመማህራን ናይ’ቲ ትካል መብርሂ ተዋሂብዎም።

ሓላፊ ክፍሊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ሃኮሰኤ፡ ኣቶ ተስፋይ ግርማይ፡ ማእከል ሞያዊ ስልጠና ሰራሕተኛታት ባጽዕ፡ ኣብ ትካላት ተዋፊሮም ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ብፍላይ ከኣ መንእሰያት፡ ሞያኦም ክብ ዘብሉሉን ሓድሽ ሞያ ዘጥርዩሉን ትምህርቲ ብምቕሳም፡ ኣፍራይነቶምን ኣድማዕነቶምን ንምዕባይ ዝሰርሕ ምዃኑ ሓቢሩ።

እዚ ኣብ 2015 ብወግዒ ዝተኸፍተ ማእከል፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብሽዱሽተ ዓውድታት ዕዮ ን219 ሰራሕተኛታት ስልጠና ይህብ ኣሎ።

ጸሓፊ ህግደፍ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃን፡ ምስቶም መንእሰያት ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ሓድሽ መድረኽ ሰላምን ንመንእሰያት ዘሰክሞም ሓላፍነትን ብዝምልከት መብርሂ ሂቡዎም።

Categories