ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ ሻምናይ ክፍሊ ብሉጽ ውጽኢት ንዘመዝገቡ ተመሃሮ ዝዕደል ሽልማት፡ ኣብ ተመሃሮ ቅዱስ ናይ ውድድር መንፈስ ብምፍጣር ዓቢ ጽልዋ ይገብር ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እዚ ዝተገልጸ፡ ብሉጽ ውጽኢት ንዘመዝገቡ ተመሃሮ ኣብያተ-ትምህርቲ ንኡሳን ዞባታት መንደፈራ፡ ዓዲ-ዃላ፡ ዓረዛ፡ ድባርዋ፡ እምኒሓይሊን ማይ-ምነን፡ ብ14 ግንቦት ሽልማት ‘ዒንዳማሶ’ ኣብ ዝተዓደለሉ እዩ።

ተሸለምቲ ተመሃሮ፡ መደብ ኣውጺካ ምጽናዕ፡ ግዜኻ ብግቡእ ምጥቃም፡ ኣብ ንጥፈታት ትምህርቲ ብግቡእ ምስታፍ፡ ኣብ ክፍሊ ኣቓልቦኻ ናብ መምህር ምግባር፡ ምክትታል መማህራንን ወለድን፡ እቶም ንዓወት ዘብቅዑዎም ረቛሒታት ምዃኖም ገሊጾም።

ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ን115፡ ካልኣይ ዙርያ 194፡ ኣብ ሳልሳይ ዙርያ 196፡ ኣብ ራብዓይ ዙርያ 228፡ ኣብ ሓምሻይዙርያ ድማ ን268 ተመሃሮ ሽልማት ‘ዒንዳማሶ’ ከምእተዓደለ፡ ሰነዳት ቤት-ጽሕፈት ሃመማተኤ ዞባ ደቡብ የረድእ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ንሽዱሽተ ጽጉማት ተመሃሮ ናይ ብሽክለታ ሓገዝ ከምእተዋህበ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢራ።

Categories