‘15 ግንቦት’ – ሃገራዊ መዓልቲ ምግራብ፡ “ንደቅና ውሑስ ኣከባቢ ነውርሶም” ብዝብል ቴማ፡ ንጥቕሚ ገረብ ብዘንጸባርቕ መሰናድኦታት፡ ትማሊ ንመበል 13 ግዜኣ ተዘኪራ።

ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ብርሰት ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ዛጊት ብድሆ ኮይኖም ዘለዉ ኣሰከፍቲ ተርእዮታት ምዃኖም፡ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ‘ሓምላይ ወፍሪ’ ኣቶ ፍጹም ሓጎስ ገሊጹ። ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ብኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ዝተወስደ ተበግሶ ሓለዋ ሕዛእቲ፡ ከምኡ’ውን ብዝተፈላለያ መንግስታውያን ኣካላት ዝተኻየደ ናይ ምቛምን ምሕደራን መደበራት ፈልሲ፡ ብኣብነት ዝጥቀስ ዕዮ ምንባሩ እውን ኣረዲኡ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን፡ ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ ብወገኑ፡ ሃገራዊ መዓልቲ ምግራብ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብረስቲ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ክውሰዱ ዝጸንሑ ስጉምቲታት፡ ኣብ ክንዲ ዝእርሙ ኣተባባዕቲ ኮይኖም ብምህላዎም፡ ኣራሚ ሕጋዊ ስጒምቲ ምውሳድን ንዘሎ መምርሒታት ስራሕ ምኽላስን ብዕቱብ ክስራሓሉ ከምዝግባእ እተዘኻኽር ዕለት ምዃና ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጠንቁ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት 7 ሓራምዝ ሞይቶም ከምእተረኽቡ ዝጠቐሰ ኣቶ ኣብርሃ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ተርእዮታት ንምግታእ፡ ምስ ህዝቢ፡ ምምሕዳራትን ሚኒስትሪ ሕርሻን ዝተወሃሃደ ስራሕ ምክያድ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

“ገረብ ዘብርስ ዘሎ፡ እቲ በሊሕ ፋስ ዘይኮነ፡ እቲ ጐዲም ሓንጎል’ዩ” ዝበለ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ፡ ተካእቲ ወለዶ ብባህሊ ምግራብ ክዂዅኰሱ፡ ዓበይቲ ፍጻመታት ብምግራብ ክስነዩ፡ ከምኡ’ውን ብኮም፡ ትካላትን ውልቀሰባትን ዝትከሉ ፈልሲታት ናይ ምጽዳቕ ተኽእሎም ዕዙዝ ስለዝኾነ ክድፋኣሎም ኣዘኻኺሩ። ክልተ መጻምድቲ ኣብ ዕለተ-መርዓኦም ንዝወሰዱዎ 500 ፈልሲ ገረብ ናይ ምትካል ተበግሶ፡ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ድማ ሞጒሱዎም።

Categories